Fana: At a Speed of Life!

ፓርቲታት ፖለቲካ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ ከተማ ኣዳማ ይዛተዩ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሓበራዊ ዘተ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ ከተማ ኣዳማ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን ዝንቀሳቐሱ ፓርቲታት ፖለቲካ ተሳተፍቲ ኮይኖም።

እቲ መድረኽ ዘተ ኣብ ህንፀት ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ኢትዮጵያን ምድንፋዕ ባህሊ ምይይጥን ዘድሃበ ኢዩ ተባሂሉ።

ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ክሳብ ዝቕፅል መድረኽ እንትኸውን፥ ተወከልቲን ኣመራርሓታትን እናተሳተፉ ከምዝርከቡ ተገሊፁ።

ኣብ ኢትዮጵያ ከይዲ ህንፀት ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ዘተኮሩ መፅዕታዊ ፅሑፋት ቀሪቦም ምይይጥ ክግበረሎም ኢዩ።

ህንፀት ዴሞክራሲያዊ ትካላት፣ ማዕረ ተረባሕነት ህዝቢ፣ ብፅሒት ህንፀፅ ሃገር፣ ሰላማዊ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢን ባህሊ ህንፀት ዴሞክራሲያዊ ፖለቲካን ኣብ ዝምልከቱ ዛዕባታት ዘተ ከምዝግበር ተገሊፁ።

ኢትዮጵያ ዝሓለፈቶም ዘበናት ስርዓት ነገስታት፣ ደርጊ፣ ኢህወዴግ፣ ጉዕዞ ለውጢን ቀፃሊ ኣንፈት ፖለቲካን እውን ዘተ ካብ ዝግበረሎም ዛዕባታት ከምዝርከቡዎም ተሓቢሩ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ፥ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ኣባ ገዳታት፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ ሲቪካዊ ማሕበራትን ሙሁራትን ተረኺቦም።

ብረጋሳ ፍሮምሳ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.