Fana: At a Speed of Life!

ፓርቲታት ፖለቲካ ኣብ ሃገራዊ ዛዕባታት ዘድሃበ ዘተ የካይዱ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ዝንቀሳቐሱ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣብ ሃገራዊ ዛዕባታት ዘድሃበ ዘተ የካይዱ ኣለዉ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብቲ መድረኽ ዘተ ይሳተፉ ከምዘለዉ ተገሊፁ።

እቶም ፓርቲታት ፖለቲካ፥ “ሕገ-መንግስትን ህገ-መንግስታዊነትን ኣብ ኢትዮጵያ፣ ፀገማትን መፍትሒታትን ኣወዳድባ ፖለቲካ ኢትዮጵያ፣  ዴሞክራሲያዊ ምርጫን ዘየረዳድኡና ዓበይቲ ኣጀንዳታትን” ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ይዛተዩ ኣለዉ።

ብመሰረት እዚ ሕገ-መንግስትን ህገ-መንግስታዊነትን ኣብ ኢትዮጵያ፣ ፀገማትም መፍትሒታትን ኣወዳድባ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ትኹረት ዝገበሩ መዛተይቲ ፅሑፋት ከምዝቐረቡ እወን ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.