Fana: At a Speed of Life!

ፓርቲ ብልፅግናን ኮሚዩኒስት ፓርቲ ቻይናን ስትራቴጂካዊ ርክበን ንምጥንኻር ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፓርቲ ብልፅግናን ኮሚዩኒስት ፓርቲ ቻይናን ስትራቴጂካዊ ርክበን ንምጥንኻር ተስማዕሚዐን።

ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና አደም ፋራህን ሚኒስትር ዓለም ለኸ ርክብ ማእኸላይ ኮሚቴ ኮሚዩኒስት ፓርቲ ቻይና ሊዩ ጂያንቾኦን ብዌብናር ዘተ ኣካይዶም።

ኣይተ ኣደም፥ ብዛዕባ ኣብ እትዮጵያ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት፣ ሓምለዋይ ኣሰርን ካልኦት ዛዕባታትን ብዝምልከት መብርሂ ሂቦም።

ኣብ ቻይና ብዝምዝገብ ዘሎ ዓወት ኣመራርሓ  ኮሚዩኒስት ፓርቲ ንኢዶም።

ክልቲአን ኣሓት ውድባት ተግባር ተኮር ርክብ ብምጥንኻር ህዝቢ ክልቲአን ሃገራት ብሓባር ተረባሒ ንምግባር ምስራሕ ከምዝግባእ ገሊፆም።

ኣብ ዓለም ለኸ መድረኻት ፍትሓዊ ተረባሕነት ንክነግስ መስቲ ፓርቲ ብምትሕብባር ንምስራሕ ፓርቲ ብልፅግና ድልው ከምዝኾነ ድማ ኣረጋጊፆም።

ሊዩ ጂያንቾኦን ብግደኦም፥ ከልቲኣዊ ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ፓርቲ ኮሚኒስት ቻይና ባህጊ ከምዘለዎ ሓቢሮም።

ፓርቲ ብልፅግናን ኮሚዩኒስት ፓርቲ ቻይናን ስትራቴጂካዊ ርክበን ንምጥንኻር ድማ ምስምዕመዐን ካብ ፓርቲ ብልፅግና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.