Fana: At a Speed of Life!

ፓርቲ ብልፅግና ዝተሳተፈሉ ዘተ ገዛእቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣፍሪካ ቻይና ብኮንፈረንስ ቪዲዮ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፓርቲ ብልፅግና ዝተሳተፈሉ ዘተ ገዛእቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣፍሪካ ቻይና ብኮንፈረንስ ቪዲዮ ተኻይዱ።

ብኣሰናዳእነት ኮሚኒስት ፓርቲ ቻይና ዝተኻየደ እቲ ዘተ፤ ፓርቲ ብልፅግና ሓዊሱ ልዕሊ 25 ፓርቲታት ፐለቲካ ሃገራት ኣፍሪካ ተሳተፍቲ ኮይኖም።

እቲ ዘተሳለጠ ዘተ፥ ኣብ ቀፃሊ ርክብ ሃገራት ቻይናን ኣፍሪካን ተጠናኺሩ ብዛዕባ ዝቕፅለሉ ኩነታት ምይይጥ ተገይሩ፡፡

ፓርቲታት ፐለቲካ ኣፍሪካ ምስ ቻይና ዝነበሮም ርክብ ከምዝጠቐሞምን ርክቦም ኣጠናኺሮም ክቕፅሉ ከምዝደልዩን ገሊፆም፡፡

ኮሚኒስት ፓርቲ ቻይና ምስ ፓርቲ ብልፅግና ዘለዎ ርክብ ኣብ ቀፃሊ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝደሊ ኣፍሊጡ፡፡

ቻይና ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓሰርተ ዓማውተቲ ልዑል ዝበሃል ዓወት ክተመዝግብ ከምዝኸኣለት ተገሊፁ፡፡

ሚኒስትር ኣለም ለኻዊ ርክባት ቻይና ሶንግ ታው ከምዝገለፁዎ፥ ቻይና ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብመሪሕነት ኮሚኒስት ፓርቲ ቻይና ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዓወታት ኣመዝጊባ ኢያ፡፡

ብፍላይ ኣብ ምንካይ ድኽነት፣ ሳይንስን ቴክኖሎጂን፣ ኣብ መሰረተ ልምዓትን ዝተፈላለዩ ዓውታትን ልዑል ዓወት ከምዘመዝገበት ገሊፆም፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ምክልኻል ኮቪድ-19 ካብ ቻይና ንሃገራት ኣፍሪካ ዝተገበረ ሓገዝ ናውቲ ኣብ ምክፍፋል ንዝገበረቶ ኣስተዋፅኦ እቶም ተሳተፍቲ ዘተ ምስጋና ኣቕሪቦም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.