Fana: At a Speed of Life!

ፓርክ ኢንዱስትሪ ሃዋሳ ናብ ወፃኢ ዕዳጋ ካብ ዘቕረቦም ፍርያታት 20 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ናብ ወፃኢ ካብ ሞንጎ ዝተለኣኹ ፍርያታት 20 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ከምዝረኸበ ፓርክ ኢንዱስትሪ ሃዋሳ ኣፍሊጡ።

ዋና መካየዲ ስራሕ እቲ ፓርክ ኢንዱስትሪ ኣይተ ማቴዎስ ኣሸናፊ ከምዝገለፁዎ÷ ኣብ በጀት ዓመት 2016 ዓለም ለኸ ኣፍረይቲ ጨርቀመርቂን ዓለባን ኣብቲ ፓርክ ክዋፈሩ ዘኽእሉ ተግባራት ምልዕዓል ተወጊኖም።

በዚ ድማ 22 ዓለም ለኸ ኣፍረይቲ ጨርቀመርቂን ዓለባን ኣብቲ ፓርክ ንምውፋር ውዕሊ ከምዝፈፀሙን ካብዚኣቶም ድማ እቶም 19 ናብ ስራሕ ከምዝኣተዉን ገሊፆም።

ኣብቲ ፓርክ ናብ ስራሕ ዝኣተዉ ኣብ ዕዳጋታት ኣውሮፓን ኣፍሪካን ዝንቀሳቐሱ ተካላት ከምዝርከቡዎም እውን ሓቢሮም።

ኣብቲ በጀት ዓመት ናብ ወፃኢ ዕዳጋ ካብ ዝቐርቡ ፍርያታት 44 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ንምርካብ ተሓሲቡ ናብ ስራ ከምዝተኣተወ ብምግላፅ፤ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ 20 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.