Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅን ፕሬዚዳንት ቻይና ሺ ጂንፒንግን ርክብ ክልቲአን ሃገራት ንምጥንኻር ቃል ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ህዳር 15 ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴን መበል 50 ዓመት ዲፕሎማቲክ ርክብ ኢትዮጵያን ቻይናን ብዝምልከት ምስ ፕሬዚዳንት ቻይና ሺ ጂንፒንግን መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ተለዋዊጠን።

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ኣብ ዝሓለፉ 50 ዓመታት ክልቲአን ሃገራት ፅኑዕ ርክብ ከምዝፈጠራ ብምግላፅ፥ ብልዝብ ዘተኣማምንን ውፅኢታውን ምትሕብባር ናይ ሓባር ፖለቲካ ከምዝፈጠራ ገሊፀን።

እቲ ርክብ ናብ ኩለ መዳይ ሰትራቴጂክ ምትሕብባር ምዕባዩ ርክብ እተን ሃገራት ብዝበለፀ ንክጠናኸርን ንሓበራዊ ረብሓ ህዝብታት ክልቲአን ሃገራትን ብብዙሕ ዓውዲታት ምትሕብባር ንክፍጠሩ ዘኽእል መገዲ ከምዝኸፈተ ተዛሪበን።

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ምስ እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ዝነበረን ፃንሒት ርክብ ክልቲአን ሃገራት ንምጥንኻር ብቕርበት ከምዝሰርሓ ገሊፀን።

ፕሬዚዳንት ቻይና ሺ ጂንፒንግን ብግደኦም፥ ርክብ እተን ሃገራት ንብዙሕ ዘበናት ዝዘለቐ ከምዝኾነ ብምግላፅ ብዝበለፀ ይጠናኸር ከምዘሎ ሓቢሮም።

እቲ ዝተጀመረ ኩለ መዳይ ሰትራቴጂክ ርክብ ምትሕብባር ኣብ ምትእምማን ዝተደረኸ ፖለቲካዊ ርክብ ንክጠናኸር ከምዝገበረ እውን ገሊፆም።

ውፅኢታዊ ኩለ መዳይ ምትሕብባርን ብዋናነት ኣብ ድልየት ክልቲአን ሃገራት ምርድዳእን ምድግጋፍን ንክፍጠር ገይሩ ኢዩ ምባሎም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ዝረከብናዮ ሓበሬታ የረደአ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.