Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ትካል ትምህርቲ፣ ሳይንስን ባህሊን (ዩኔስኮ) ጉባኤ ቅድመ ትምህርቲ ይሳተፋ ኣለዋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ትካል ትምህርቲ፣ ሳይንስን ባህሊን (ዩኔስኮ) ብብርኪ ላዕለዎት ሰብ መዚ ዝካየድ ጉባኤ ቅድመ ትምህርቲ ይሳተፋ ኣለዋ።

እቲ ጉባኤ ብብርኪ ዓለም ዝርከቡ ሚኒስትራት ትምህርቲ 154 ሃገራት እናተሳተፉ ከምዝርከቡ ተገሊፁ፡፡

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ትምህርቲ ኩለመዳይ ዓቕሚ ዜጋታት ናይ ምልዋጥ ግድኡ ልዑል ከምዝኾነ ኣብሪሀን፡፡

መኽፈቲ እቲ ቅድመ ጉባኤ ዝቕጽል ወርሒ መስከረም ኣብ ኒውዮርክ ንዝካየድ ጉባኤ ትምህርቲ ኣድላዪ ምድላው ንምግባር ዝዓለመ ከምዝኾነ ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ፈረንሳይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.