Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ኣብ ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ዑደት ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ሓሰን ሼክ ሞሓሙድ ኣብ ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ዑደት ገይሮም።

እተ ፕሬዚዳንት ምስ ኣባላት ጉጅለ ልኡኾም ኣብቲ ትካል እንትበፅሑ፥ ኣባላት ማኔጅመንት ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ብፖሊሳዊ ስርዓት ድሙቕ ኣቀባብላ ገይረሙሎም።

ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ዝተዓጠቑዎም ዘመናዊ ዓቕሚታት ቴክኖሎጂን እቲ ትካል ዝበፅሖ ብርኪ ለውጢን ተዛዋዊሮም ተዓዚቦም።

ድሕሪ እቲ ዑደት ምስ ኮሚሽነር ጀነራል እቲ ትካል ደመላሽ ገብረሚካኤል፥ ሓይሊ ፖሊስ ክልቲአን ሃገራት ንምጥንኻር ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ተዘራሪቦም።

ኣብ ዩንቨርስቲ ፖሊስ ኢትዮጵያ መናእሰይ መኮንናት ፖሊስ ሶማሊያ ኣቲዮም ንክመሃሩን ከስልጥኑን እቶም ፕሬዚዳንት ዘቕረብዎ ሕቶ እቶም ኮሚሽነር ተቐቢለሙዎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.