Fana: At a Speed of Life!

ፕሮጀክት መሳለጢ መገዲ ፑሽኪን ጎፋ መዞሪ ተነሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሮጀክት መሳለጢ መገዲ ፑሽኪን ጎፋ መዞሪ ሎሚ መዓልቲ ተነሪቑ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ፥ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ፣ ምክትል ከንቲባ ጃንጥራር ኣባይን ኣፈፃሚ ጉዳይ ኤምባሲ መንግስቲ ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሺን ኪንግማንን ከምኡ እው ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ እታ ከተማ ተረኺቦም፡፡

ኣብ 2012 ዓ.ም ዝተጀመረ እቲ ፕሮጀክት፥ 3 ነጥቢ 8 ኪሎ ሜትሮ ንውሓትን ካብ 30 ክሳብ 45 ሜትሮ ጎናዊ ስፍሓትን ኣለዎ፡፡

እቲ ፕሮጀክት ቅልጡፍ መገዲ ኣውቶቡስ ሓዊሱ ኣብ ሓደ ግዘ ብዙሓት ተሸከርከርቲ ከተኣናግድ ዝኽእል፣ 320 ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ በዓልቲን ካብ መሬት ልዕል ኢሉ ዝተሃነፀ ነዊሕ መሳለጢ ድልድል ዘካተተ ኢዩ፡፡

ካብ ቂርቆስ፣ ጎተራ፣ ጎፋ ፣ ሳር ቤት ፣ ሜክሲኮን ቄራን ዝመፅኣ ተሽከርከርቲ ካብ ምቅልጣፉ ብተወሳኺ ነታ ከተማ ዝተፈለየ ምስሊ ዘላበሰ መገዲ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቲ ፕሮጀክት፥ ብምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣቢሉ ካብ መንግስቲ ቻይና ብዝተረኸበ 1 ነጥቢ 5 ቢሊየን ብር ልቓሕ ዝተሃነፀ ኢዩ፡፡

ብቅድስት ተስፋዬ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.