Fana: At a Speed of Life!

ፕሮጀክት መፈልፈሊ ሓይሊ ኮይሻ 3 ነጥቢ 25 ሚሊየን ሜትር ኪዩብ ስራሕቲ ምልኢት ኮንክሪት ከምዝተወገነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሮጀክት መፈልፈሊ ሓይሊ ኮይሻ 3 ነጥቢ 25 ሚሊየን ሜትር ኪዩብ ስራሕቲ ምልኢት ኮንክሪት ከምዝተወገነ ምክትል መካየዲ ስራሕ እቲ ፕሮጀክቱ ገሊፆም።

እቲ ፕሮጀክት ኣብ ዝተትሓዘሉ ግዘ ንምዝዛም እናተሰርሐ ከምዝኾነ ዝገለፁ ራ መሆኑን ምክትል መካየዲ ስራሕ እቲ ፕሮጀክቱ ኣባይነህ ጌትነት÷ ስራሕቲ ዋና ግድብ፣ ኣባይቲ መፈልፈሊ ሓይሊ፣ መተንፈሲ ማይን ካልኦት ተተሓሓዝቲ ስራሕቲን እናተወገኑ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም፡፡

ህንፀት እቲ ግድብ 6 ነጥቢ 6 ሚሊየን ሜትር ኪዩብ ኳዕቲ ሓመድ ብምክያድ ብሓፈሻ እቲ ግድብ ካብ ዝደልዮ 7 ነጥቢ 7 ሚሊየን ሜትር ኪዩብ ምልኢት ኮንክሪት እቲ 42 ሚኢታዊ ማለት እውን 3 ነጥቢ 25 ሚሊየን ሜትር ኪዩብ ስራሕቲ ምልኢት ኮንክሪት ከምዝተወገነ ተዛሪቦም።

እቲ መፈልፈሊ ሓይሊ 2 ሚሊየን ሜትር ኪዩብ ኳዕቲ ሙሉእ ብሙሉእ ተዛዚሙ ካብ ዘድሊ 160 ሺሕ ሜትር ኪዩብ ምልኢት ኮንክሪት 52 ሚኢታዊ ከምዝተወገነ እቶም ምክትል መካየዲ ስራሕ ሓቢሮም።

6 ነጥቢ 65 ሚሊየን ሜትር ኪዩብ ኳዕቲ ዝሓትት ስራሕ መተንፈሲ ማይ 90 ሚኢታዊ ከምዝተዛዘመን 13 ሚኢታዊ ዝኸውን ምልኢት ኣርማታ ከምዝተሳለጠን እውን ኣብሪሆም።

ብምኽንያት ፋይናንስ ብፍላይ ሕፅረት ሸርፊ ወፃኢን ተተሓሓዝቲ ፀገማትን ህንፀቱ ብዝተሃቀነሉ እዋን ከይዛዘም ገይሩዎ ምፅንሑ ምግላጦም ካብ ሓይሊ አኤሌክትሪክ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.