Fana: At a Speed of Life!

ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣብ ትግራይ ኣብ ውሽጢ ከቢድ ኩነታት ኮይኑ ዝገብሮ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝምስገን ኢዩ-ኣይተ ደመቀ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 22 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣብ ትግራይ ኣብ ውሽጢ ከቢድ ኩነታት ኮይኑ ዝገብሮ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝምስገን ኢዩ ኢሎም።

ኣይተ ደመቀ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተሾሙ ተፀዋዒ ዳይሬክተር ኢትዮጵያ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ክላዉድ ጂቢዳር ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም።

እቲ ትካል ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝሓሸ ስራሕ ከምዝሰርሕ ገሊፆም።

ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣብ ትግራይ ኣብ ውሽጢ ከቢድ ኩነታት ኮይኑ ሓገዝ ንዝደሊዩ ዜጋታት ዝገብሮ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝምስገን  ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ምኽኒያታት ልዕሊ 20 ሚሊየን ዜጋታት ሰብኣዊ ሓገዝ የድሊዮም ብምባል፥ ከም ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ዝበሉ ትካላት ድማ ኩለ መዳይ ተበፃሓይ ዝኾነ ሰብኣዊ ሓገዝ ብምግባር ዝተጠናኸረ ደገፍ ንክገብሩ ንደሊ ኢሎም።

ኣብ ትግራይ ይግበር ምስ ዘሎ ሓገዝ ብተወሳኺ ኣብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ከምኡውን ድርቂ ኣብ ዘጋጠመን ከባቢታት ተመሳሳሊ ስራሕ ንክስራሕ ሓቲቶም።

መንግስቲ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ንክግበር ዘሕለፎ ውሳነ ብምኽባር ዝሓሸ ደገፍ ነክግበር ይሰርሕ ከምዘሎ ብምግላፅ፥ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ግን ሐዚ እውን  ሰብኣዊ ሓገዝ ንምትእጉጓል ይፍትን ኣሎ ኢሎም።

ዓለም ለኸ ሓገዝ ወሃብቲ ኣካላት ኣካይዳ እቲ ጉጅለ ምውጋዝ ኣለዎም እውን ኢሎም።

ክላዉድ ጂቢዳር ብግደኦም፥ ቁርፀኝነት መንግስቲ ንኢዶም።

ኣብ ቀፃሊ ሓቢሮም ንምስራሕ ብፅኑዕ ከምዝኣምኑ እውን ሓቢሮም።

ኢትዮጵያ ካብ ፀገም ወፃኢ ናብ ዝሓሸ መስግጋር ካብ ባዕላ ንላዕሊ ንካልኦት ሃገራት ዓብዪ ግደ ስለዘለዎ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ብምኻን እቲ ፀገም ኣብ ምፍታሕ ክንሰርሕ ኢና እውን ኢሎም።

ኢትዮጵያ ስርናይ ብህፁፅ ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ዘለዋ ሃገር ስለዝኾነት፥ ሕፅረት ኣቕርቦት ምግቢ ንምቕራፍ እቲ ተግባር ኣድላዪ ደገፍ ከመዝገብሩ ኣረጋጊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.