Fana: At a Speed of Life!

ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ፀገም ንዝርከቡ ዜጋታት ዝገብሮ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምጥንኻር ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሰነ፣2014 (ኤፍ ቢሲ)ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ፀገም ንዝርከቡ ዜጋታት ዝገብሮ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምጥንኻር ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊፁ።

ኣማኻሪ ብሄራዊ ድሕንነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣምባሳደር ሬድዋን ሁሴን ምስ ዋና ዳይሬክተር ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ዴቪድ ቤስሊ ተዛቲዮም።

ኣምባሳደር ሬዲዋን ኣብቲ ዘተ፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ሕፅረት ነዳዲ ኣጋጢሙኒ ብዝብል ንዘቕርቦ ክሲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 137 ሺሕን 913 ሊትሮ ዝፀዓና ሰለስተ ተሽከርከርቲ መቐለ ገሊፆም።

እዚ ድማ ንምንቅስቓስ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ እኹል ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንትግራይ ቀረብ ነዳዲን ጥረ ገንዘብን ሓዊሱ ሰብኣዊ ደገፍ ንክቀላጠፍ ቁርፀኛ ከምዝኾነ እወን ሓቢሮም።

ህወሓት ካብ ትማሊ ኣትሒዙ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝፀዓና ኣውሮፕላናት ኣብ መቐለ ንከይዓርፋ ብምኽልካል ሰብኣዊ ሓገዝ ንከይኣቱ የተዓናቕፍ ከምዘሎ ኣረዲኦም።

ዴቪድ ቤስሊ ብግደኦም÷ መንግስቲ ፌዴራል ብዝገበሮ ደገፍ ኣብ ትግራይ ዘሎ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ምምሕያሹ ገሊፆም።

ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ፀገም ንዝርከቡ ዜጋታት ዝገብሮ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምጥንኻር ይሰርሕ ከምዘሎ ኣብሪሆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.