Fana: At a Speed of Life!

ፖሊስ ፌዴራል ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ዝተውሃቦ ሓላፍነት ብግቡእ ይዋፃእ ኣሎ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፖሊስ ፌዴራል ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ዝተውሃቦ ሓላፍነት ብግቡእ እናተዋፅአ ምዃኑ ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ትካል ገሊፆም።

ላዕለዎት ኣመራርሓ ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያ ፀፅታ ኣድሂቦም ተዛቲዮም፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዘተ÷ እቲ ትካል ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ዝተውሃቦ ሓላፍነት ብግቡእ እናተዋፅአ ምዃኑ እቶም ላዕለዎት ኣመራርሓ ገምጊሞም።

ምስ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያ ፀፅታ ዝተትሓሓዙ ብዙሓት ዛዕባታት ተላዒሎም ሰፊሕ ልዝብ ከምዝተገበረሎም ካብ ፖሊስ ፌዴራል ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ፡፡

ኮሚሽነር ጀነራል ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ደመላሽ ገ/ሚካኤልን ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓን እቲ ትካል÷ ካብ ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ንዝተልዓሉ ሕቶታት መብርሂን ምላሽን ሂቦም።

እቶም ላዕለዎት ኣመራርሓ÷ ኣብ ኩሎም ከባቢታ ኢትዮጵያ ሰላምን ድሕንነትን ንምኽባር እናተሳለጡ ዝርከቡ ተግባራት ብዝበለፀ ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ኣብቲ መድረኽ ዘተ ኣልዒሎም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.