Fana: At a Speed of Life!

1 ነጥቢ 2 ሚሊየን ሊትሮ ዘዝኸውን ዘይት ንሕብረተሰብ ተኸፋፊሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ትካል ልምዓት እታወታት ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ ካብ ጅቡቲ ዝገዝኦ ፓልም ዘይቲ ብልዒ ናብ ሃገር ኣጓዓዒዙ ንሕብረተሰብ እናከፋፈለ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ፡፡

ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 1 ነጥቢ 2 ሚሊየን ሊትሮ ዘዝኸውን ዘይት ንሕብረተሰብ ከምዝተኸፋፈለን ሕዚ እውን እናተከፋፈለ ከምዝርከብን ተገሊፁ፡፡

ኣብ ቀዳማይ ዙር ልዕሊ 5 ሚሊየን ከምኡ እውን ኣብ ካልኣይ ዙር ልዕሊ 16 ሚሊየን 518 ሺሕን ሊትር ዘይቲ ዕድጊት ተፈፂሙ ኢሉ።

በዚ ድማ ኣብ ቀዳማይ ዙር ዝተዓደገ ዘይቲ ናብ ሃገር እናተጓዓዓዘ እንትኸውን ናብ ሃገር ዝኣተወ ንሕብረተሰብ እናተኸፋፈለ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ምጉዕዓዝ ስራሕ ቀዳማይ ዙር ዘይቲ ብልዒ ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ከምዝዛዘም ተወካሊ ዳይሬክቶሬት ዕድጊት ውፅኢታት ኢንዱስትሪ እቲ ትካል መስፍን መለሰ ኣረጋጊፆም፡፡

“ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ዝሰርሖ ድልድል መሰረት  ብምግባር÷ ንምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ ክልላት ኦሮሚያ፣ ደቡብ፣ ቤኒሻንጉል ጉሙዝ፣ ዓፋርን ሲዳማን እናከፋፈልና ንርከብ” ኢሎም ኣይተ መስፍን።

እቲ መሸጣ ሚኒስቴር ገንዘብ ብዘቐመጦ ኣንፈት ዋጋ ሓደ ሊትሮ ዘይቲ ብልዒ ትራንስፖርት እንተይወሰኸ ብ104 ብርን 66 ሳንቲም ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

ብዮሃንስ ደርበው

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.