Fana: At a Speed of Life!

1 ሺሕን 8 ኢትዮጵያውያን ካብ ስዑድ ዓረብ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ መዓልቲ ብሰለስተ ዙር ብዝተገበረ ዜጋታት ካብ ስዑድ ዓረብ ናይ ምምላስ ስራሕ ብሓፈሻ ቁፅሮም 1 ሺሕን 8 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም።

ናብ ሃገሮም ካብ ሞንጎ ዝተመለሱ ዜጋታት፥ እቶም 695 ደቂ ተባዕትዮ፣243 ደቂ ኣንስትዮን 70 ትሕቲ 18 ዓመት ሰገናትን ህፃናትን ከምዝኾኑ ተሓቢሩ፡፡

ተመለስቲ ግቡእ ሓገዝን ክንክንን ብምግባር ናብ ዝተሰናደአሎም ግዚያዊ መዕረፊ ክኸዱ ከምዝተገበረ ካብ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ክሳብ ሕዚ ብዝተገበረ ዜጋታት ናይ ምምላስ ስራሕ ቁፅሮም ልዕሊ 21 ሺሕን 421 ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ምምላስ ተኻኢሉ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.