Fana: At a Speed of Life!

2ይ ትልሚ ልምዓትን ኢንቨስትመንትን ማእኸላይ ዘበን ንምድንፋዕ ዝዓለመ ገምጋም ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር  ፕላንን ልምዓትን ብብርኪ ረቂቕ ዝተሰናደአ 2ይ ትልሚ ልምዓትን ኢንቨስትመንትን ማእኸላይ ዘበን ብዝበለፀ ንምድንፋዕ ዝዓለመ ገምጋም ኣካይዱ።

ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ኣድላይነት እቲ መድረኸ ገምጋም እታወታት ምትእኽኻብ ከምዝኾነ ብምሕባር÷ ኣብቲ ትልሚ ዝተኻተቱ ሃገር በቆል ሪፎርም ኢኮኖሚ ሓዊሱ ዝተሃቀኑ ስራሕቲ ሪፎርምን ተተሓሓዝቲ ኣብ ዝኾኑ ጉዳያትን ብምምይያጥ ናይ መወዳእታ ረቂቕ ምቕራብ ትፅቢት ከምዝግበር ኣብሪሀን፡፡

ሚኒስትር ዴኤታ ፕላንን ልምዓትን ነመራ ገበየሁ (ዶ/ር) ብግደኦም÷ ዝቐቀረበ 2ይ ትልሚ ልምዓትን ኢንቨስትመንትን ማእኸላይ ዘበን ብዙሓት ነገራት ዝነክእ ስለዝኾነ ናብ ተግባር ቅድሚ ምኻዱ ትካላት ክረአዩ ይግበኦም ዝብሉዎም ሓሳባት ብፅሑፍ ንኸቕርቡ ሓቲቶም፡፡

ብኻሊእ መዳይ ኣብ ዘላቒ ምምሕዳርን ዕቤትን ማክሮኢኮኖሚ ኣንፈት ፖሊሲ ምድሃብ ሚኒስቴር እቶት፣ ሚኒስቴር ገንዘብ፣ ብሄራዊ ባንኪ፣ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን፣ ተፀዋዕቲ ትካላትን  በዓል መዚ ካፒታል ዕዳጋ ኢትዮጵያን ዘተ ኣካይዶም፡፡

ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ሽዱሽተ ኣዋርሕ እቶም ትካላት ቀሪቡ ከምዝተዘተየሉ ካብ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.