Fana: At a Speed of Life!

2ይ ፎረም ሰላም ኢሬቻ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ካልኣይ ፎረም ሰላም ኢሬቻ ኣብ ሆቴል ሸራተን ኣዲስ ይሳለጥ ኣሎ።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ፥ ኦሮሞ ናብ ነባር ምንነቱን እሴቱን ንኽምለስ መንግስቲ እቲ ክልል ብልዑል ኩነታት እናሰርሐ ምዃኑ ገሊፆም።

ሕውነት ምጥንኻርን ናፅነት ምርግጋፅን ኣዚዩ ኣድላዪ ከምዝኾነ እውን ኣገንዚቦም።

ስርዓት ገዳ ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ ንምእታው ዝተገበረ ፃዕሪ ዘልዐሉ እቶም ርእሰ ምምሕዳር፥ ገዳ ናይ ኩሉ ኣካል ህይወት ንኽኸውን ብተግባር ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

ምክትል ከንቲባ ርእሰ ምምሕዳር ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ብግደአን፥ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ብዝሓሸን ብዝደመቐን ኩነታት ንምኽባር ሎሚ ዘበን ብጥንቃቐ ምሕላፍ ከምዘድሊ ገሊፀን።

በዓል ኢሬቻ ብዝሓሸ መልክዑ ንኽፍለጥን ግንዛበ ንምፍጣርን፥ ኣብ ዩኔስኮ ዘይድህሰሱ ሓድጊታት ዓለም ንምኽምዝገብ ዓለም ለኸን ሃገር ለኸን ፎረማት ከምዝካየዱ ተገሊፁ።

ኣብቲ ዝሳለጥ ዘሎ መድረኽ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ቀሪቦም ዘተ ክግበረሎም ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብቲ ፎረም፥ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ፣ ሚኒስትር ባህሊን ቱሪዝምን ዶክተር ሂሩት ካሳው፣ ዝተፈላለዩ ዲፕሎማሰኛታት፣ ኣመራርሓታት ፌዴራልን ክልላትን፣ ተወከልቲ ዩኔስኮ፣ ኣባ ገዳታት ሓዊሱ 250 ዝኾኑ ተሳተፍቲ ተረኺቦም።

ስርዓት ገዳ፥ ብ2009 ዓ.ም ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተሳለጠ መበል 11 ጉባኤ ዘይድህሰሱ ሓድጊታት ዩኔስኮ ሓድጊ ዓለም ኮይኑ ከምዝተመዝገበ ይፍለጥ።

ብሃብታሙ ተክለስላሴ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.