Fana: At a Speed of Life!

ኮምፒተር ኣብ ሕቚፊ ምቕማጥ ምንካይ መጠን ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ የስዕብ-ተመራመርቲ 

ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምንካይ መጠን ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ጠንቅታት መኻንነት ደቂ ተባዕትዮ ከምዘስዕብ ተመራመርቲ ገሊፆም።

እቶም ተመራመርቲ ከምዝገለፅዎ፥ ጠንቂ ምንካይ መጠን ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ እንተወሓደ ሓሙሽተ ምኽንያታት ኢዮም።

ንሳቶም ድማ፥ ልዕሊ ዓቐን ርጉዲ፣ ወልፊ (ኣልኮላዊ መስተ፣ ሽጋራ፣ ማሪዋና፣ ኮኬይን፣ ኣናቦሊክስን ወዘተን)፣ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት(ከም ፍንጣጣን ሽኮርያን ዝኣመሰሉ)፣ ኣብ ኣካላትና ንዝርከብ ስርዓተ ኢንዶክራይን  ዝዘርጉ መርዛማት ውህደታትን ኮምፒተር ኣብ ሕቚፊ ምቕማጥን ዝብሉ ኢዮም።

ካብ እዚኦም እቲ ሓደ ዝኾነ ኮምፒተር ኣብ ሕቚፊ ምቕማጥ ኣብ ምቕናስ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ናይ ገዛእ ርእሱ ፅልዋ ከምዘለዎ ይገልፁ።

እቶም ተመራመርቲ፥ ዘርኢ ወዲ ሰብ ካብ 1 ክሳብ 2 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ትሕቲ ሙቐት ኣካላት ክፀንሕ ኣለዎ ይብሉ።

ይኹን እምበር ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ሰለፍካ ኮምፕዩተር ሒዝካ ምስራሕ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ኣብ ዝለዓለ ሓደጋ ኣእትይዎ ክብሉ ገሊፆም።

እተን ኮምፒዩተራት ምስ ዝውዕያ ናብ ኣካላትና ይመሓላለፋ እሞ ነቲ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ “ክበስል” ኣብ ዝኽእለሉ ብርኪ የብፅሓኦ።

ካልኦት ምስ ልዑል ሙቐት ዝተኣሳሰሩ ልምድታት እውን ንፍርያምነት ሓደጋታት ከምዘስዕቡ ይገልፁ።

ንኣብነት፥ ነዊሕ ውዑይ ሻወር ምውሳድ፣ ነዊሕ እዋን ኣብ ውዑይ ሳውና ምፅናሕ ተረቋሕቲ ኢዮም።

ብተወሳኺ ዋላ እኳ እቲ ምኽንያት እንተዘይተፈልጠ ከም ዋይፋይን ኤሌክትሮኒካዊ ማዕበላትን ንዋህዮታት ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ እውን ከም ዝፀልዉ ይግለፅ።

ብድምር ብዝተፈላለዩ መገዲታት ዘጋጥም ምንካይ መጠን ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ጠንቅታት መኻንነት ደቂ ተባዕትዮ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እዚ ሓበሬታ እዚ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ እስራኤል ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ እብራይስጥን ኣብ ኣመሪካ ዝርከብ ሕክምናዊ ዩኒቨርሲቲ ሲና ማውንቴንን ካብ ዘሕተምዎ ናይ ሓባር መፅናዕቲ ዝተረኽበ እዩ ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.