Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ሕብረተሰብ ብሌን ዓይኑ ብምልጋስ ንወገኑ ብርሃን ክኸውን ፀዊዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ሕብረተሰብ ድሕሪ ሕልፈት ብሌን ዓይኑ ብምልጋስ ንካልኦት ወገናት ብርሃን ክኸውን ፀዊዐን።

እተን ፕሬዚዳንት ባንኪ ዓይኒ ኢትዮጵያ ዝተመሰረተሉ መበል 20 ዓመት እንተኽብር ከምዝገለፀኦ÷ ሕብረተሰብ ብዛዕባ ልገሳ ብሌን ዓይኒ ዘለዎ ግንዛበ ኣብ ምዕባይ ክስራሕ ይግባእ፡፡

“ድሕሪ ሕልፈት ኣብ ዝግበር ልገሳ ዝኾነ ይኹን ንስእኖ ነገር ኣይህሉን” ዝበላ እተን ፕሬዘዳንቷ÷ “ብርሃን ዝመሰለ ዓብዪ ህያብ ትኹረት ክስእን ኣይግባእን” ኢለን፡፡

ብምዃኑ ዜጋታት ድሕሪ ሕልፈት ብሌን ዓይኖም ብምልጋስ ንኻልኦት ወገናት ብርሃን ንኽኾኑ ፃውዒት አቕሪበን፡፡

ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ብግደአን÷ ባንኪ ዓይኒ ኢትዮጵያ ናይ ብዙሓት ሰባት ህይወት ዝለወጠ ትካል ከምዝኾነ ገሊፀን፡፡

እቲ ባንኪ ዓይኒ ክሳብ ሕዚ ብዝገበሮ ምንቅስቓስ ልዕሊ 3 ሺሕ ወገናት ብርሃን ዓይኖም ምምላስ ከምዝኸኣለ ካብ ሚኒስቴር ጥዕና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.