Fana: At a Speed of Life!

6ይ ውድድር ጉያ ሃገር ኣቋራፂ ኣፍሪካ ኣብ ዝቕፅል ሰንበት ምክያድ ክጅምር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)6ይ ውድድር ጉያ ሃገር ኣቋራፂ ኣፍሪካ ኣብ ዝቕፅል ሰንበት ምክያድ ክጅምር ኢዩ።

እቲ ውድድር ንኣርባዕተ ዓመታት ተቋሪፁ ዝፀንሐ እንትኃን÷ ንመበል 6ይ ግዘ ኣብ ቱኒዚያ ከተማ ሃማማት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 25 ለካቲት ጀሚሩ ከምዝካየድ ተገሊፁ፡፡

ኣብቲ ሻምፒዮና ኢትዮጵያ ብ14 ደቂ ኣንስትዮን 14 ደቂ ተባዕትዮን ብሓፈሻ ብ28 ኣትሌታት ከምትውከል ሓበሬታ ኣትሌቲክስ ፌዴሬሽን ኢትዮጵያ የመላኽት፡፡

ኣብቲ ውድድር ዝሳተፍ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ እውን ቅድሚ ሰዓታት ኣብ ርእሰ ከተማ ቱኒዚያ ቱኒዝ በፂሑ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.