Fana: At a Speed of Life!

7ይ ጉባኤ በዓል መዚ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብን መዳርግቲ ኣካላት ክልልን ፌደራልን ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)7ይ ጉባኤ በዓል መዚ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብን መዳርግቲ ኣካላት ክልልን ፌደራልን ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ህዝቢታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ዶክተር ኢንጂነር ነጋሽ ዋጌሾ፣ ዋና ተፀዋዒ መንስቲ ኣይተ ፀጋዬ ማሞ፣ ሚኒስትር ዴኤታ ፍትሒ ኣለምኣንተ ኣግደው፣ ካብ 10 ክልላት ዝመፅኡ ሓለፍቲ ቢሮ ፍትሒን ፋይናንስን ከምኡ እውን ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽ ተረኺቦም፡፡

ዶክተር ኢንጂነር ነጋሽ ዋጌሾ ኣብቲ ጉባኤ፥ በጀት መንግስቲን ህዝቢን ኣብ ዘይበፅሖም ስራሕቲ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ዝገብሩዎ ኣስተዋፅኦ ዕዙዝ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ሚኒስትር ዴኤታ ፍትሒ ኣለምአንተ አግደው ብግደኦም÷ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ዝተጣየሹሉ ዕላማ ንኸዕውቱ ብምሕጋዝ፣ ብምክትታልን ብምቁፅፃርን ሓላፍነት ዘለዎም ኣካላት ዝተዋደደ ኣሰራርሓ ብምድንፋዕ ምንቅቓስ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ፌዴሪኢ ኣይተ ጂማ ድልቦ÷ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ሕጊ እታ ሃገር ኣኽቢሮም ብምስራሕ ዝተጀመረ ለውጢን ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲን ናይባዕሎም ግደ ሓገዝ ንኸበርክቱ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፆም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.