Fana: At a Speed of Life!

መጥቃዕቲ ግብረ ራዕዲታት ምዕባለ ኢትዮጵያ ካብ ምርግጋፅ ደው ኣየብለናን-መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መጥቃዕቲ ግብረ ራዕዲታት ምዕባለ ኢትዮጵያ ካብ ምርግጋፅ ደው ኣየብለናን ክብል ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣገልግሎት ናብ ፋና ብድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ፥ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ኣብ ሆሮጉድሩ ወለጋ ኣብ ለዕሊ ንፁሃን ዜጋታትን ኣባላት ምልሻ እቲ ከባቢን ቅትለት ከምዝፈፀመ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ምዕራብ ኦሮሚያ ብናይ ሓይሊታት ፀፅታን ሀዘብን ዝተዋደደ ስጉምቲ ዝተወሰደሉ እቲ ግብረ ራዕዲ እናተበተነ ናብ ሆሮ ጉድሩ ከባቢ ጃርደጋ ጃርቴ ይሃድም ከምዝነበረ ሓቢሩ።

እቲ ግብረ ራዕዲ ቅትለት ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዝፈፀመ ትማሊ ዝተደምሰሰ ጃል ኡርጂ ዝተብሃለ ኣዛዚ ሸኔ እቲ ከባቢን ጀሌታትን ሕነ ንምፍዳይን በዓላት መስቀልን ኢሬቻን ካብ ብሐዚኡ ንምህዋኽ ብምሕሳብ ከምዝኾነ እቲ መግለፂ ገሊፁ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ምስ ኣካላት ፀፅታ ተዋዲዶም እቲ ከባቢ ካብ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ኣብ ምፅራይ ከምዝርከቡ ኣፍሊጡ።

“ታሪካዊ ፀላእትና ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዕላምኦም እንትበላሸዎም ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዝፈፅምዎ ተግባር ጭካነ ኣዝዩ ዘሕዝን” ከምዝኾነ እቲ መግለፂ ሓቢሩ።

“ይኹን እንበር ናይ እቶም ግብረ ራዕዲታት ጥፍኣት ምዕባለ ኢትዮጵያ ካብ ምርግጋፅ ደው ከብለና ኣይኽእልን” ኢሉ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.