Fana: At a Speed of Life!

ሩሲያ ምስ ሰሜን ኮሪያ ዘለዋ ርክብ ኣጠናኺራ ክትቅፅል ኢያ – ፑቲን

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ሃገሮም ምስ ሰሜን ኮርያ ኵለመዳያውን ሃናፅን ክልተኣዊ ዝምድናታት ከተስፍሕ ምዃና ኣፍሊጦም።

ንሶም ኣብ መዓልቲ ሓርነት ሰሜን ኮርያ ናብ መዘናኦም ኪም ዮንግ ኡን ኣብ ዝለኣኽዎ ደብዳበ፥ እቲ ስጕምቲ ንረብሓ ክልቲአን ሃገራት ከምዝኸውን ሓቢሮም።

እቲ ሰፊሕ ክልተኣዊ ዝምድናታት ምስ ረብሓ ክልቲአን ሃገራት ዝሰማማዕ እዩ እውን ኢሎም።

ኪም ብግደኦም ኣብ ዝለኣኽዎ ምላሽ፥ ኣብ መንጐ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ምሕዝነት ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ ልዕሊ ጃፓን ዓወት ብምምዝጋብ ዝተሰረተ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም።

ብፃያዊ ምሕዝነቶም እናፀንዐ ከምዝኸይድ እውን ሓቢሮም።

እቲ ኣንፃር ጃፓን ኣብ ዘቕንዐ ኲናት ዝተሰረተ ምሕዝነት ሩስያን ሰሜን ኮርያን “ካብ ዘመን ናብ ዘመን እናደልደለን እናማዕበለን” ከምዝመፅአ ኣብ ደብዳበኦም ገሊፆም።

ብተወሳኺ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ስትራተጂያውን ስልታውን ምትሕብባር፥ ደገፍን ስምረትን ካብ ተፃባእቲ ሓይልታት ንዝብገስ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ስግኣታትን ትንኮያታትን ንምፍሻል ኣብ ሓድሽ ዝበረኸ መድረኽ ተቐሚጡ ዝፀንሐ እዩ ኢሎም ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.