Fana: At a Speed of Life!

ስራሕቲ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሓለፉ 3 ኣዋርሕ ብዝተዋደደ መልክዑ ከምዝተሳለጠ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ስራሕቲ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሓለፉ 3 ኣዋርሕ ብዝተዋደደ ዝተወሃደን መልክዑ ከምዝተሳለጠ ተገሊፁ።

እቲ ምምሕዳር÷ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ምዕራፍ ስራሕቲ ምድላውን ናይ ቀፃሊ ኣንፈት ትኹረትን ብምትኳር ካብ ከተማ ክሳብ ወረዳ ምስ ዝርከቡ ኣመራርሓት ተዛቲዩ፡፡

ኣብቲ እዋን ዘተ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ እቲ ኣመራርሓ ብምትሕብባርን ብምውዳድን ተደራራቢ ተግባራት ከዕት ከምዝኸኣለን ውፅኢት ከምዝተመዝገበን ተገሊፁ፡፡

ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነችኣቤቤ ኣብ መዛዘሚ እቲ ዘተ ከምዝሓበረኦ÷ “ልዕሊ ኩሉ ብዝተወደበን ብዝተናበበን እንተመሪሕና ስራሕትና ዕዉታት ከምዝኾኑ ልምዲ ዝወሰድናሉ እዋኑ ኢዩ” ኢለን፡፡

ርክብ ኣመራርሓ ጥዑይ እንተኾይኑ ኣብ ህዝቢ ዘሎ ኩነታት ጥዑይ ከምዝኸውን ዝተርኣየሉ ከምዝኾነ እውን ገሊፀን፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.