Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣብ መላእ ሃገር ዘሎ ዓቕሚ ምርመራ ኮቪድ-19 ተጠናኺሮ ቅቕፅል ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮቪድ-19 ንምክልኻል ዝተጣየሸን ብቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ ዝምራሕን ኮሚቴ ሚኒስትራት ሎሚ መዓልቲ ኣኼባ ኣካይዱ።

እቲ ኮሚቴ፥ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዝተኻየዱ ስራሕቲ ኣድሂቡ ብምዝታይ ከይዲ ተግባራቱ እውን ተገምጊሙ ኢዩ።

ሚኒስቴር ጥዕና ቫይረስ ቁፅሪ በቲ ዝልከፉ ሰባት እናወሰኸ ከምዘመፅአ ዝገለፀ እንትኸውን፥ 76 ሚኢታዊ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ምዃኖም እቲ ቫይረስ ናብ ሕብረተሰብ ከምዝተዛመተ ዘርኢ ኢዩ ኢሉ።

ብዳህሳስ ገዛ ንገዛ ዝግበር ምፍላይ መጠን ረስኒን ስራሕቲ ምፍላይ ምልክታት እቲ ቫይረስን ከምዘሎ ኮይኑ በቲ ቫይረስ ምስ ዝተለኸፉ ሰባት ንኽክእ ምህላዉን ዘይምህላዉን ዝድህስሱ ልዕሊ 700 ጉጅለታት ኣብ መላእ ሃገር ከምዘተዋፈሩ እውን ተገሊፁ።

ንኡስ ኮሚቴ ኢንፎርሜሽን ኮሙዩኒኬሽን ቴክኖሎጂ ብግድኡ፥ ትካላት መንግስቲ ብኣካል ተራኺቦም ንዘካይዱዎም ኣኼባታት መተካእታ ዝኾነ ብቴክኖሎጂ ተሓጊዙዞም ዝሳለጡ ኣኼባታት ብፅቡቕ ኩነታት እናተተግበሩ ምዃኖም ኣብሪሁ።

ኣብ ውሽጢ 11 ትካላት ኩልግዜ ገፅ ንገፅ ይሳለጡ ዝነበሩ 75 መንግስታዊ ዝኾኑ ኣገልግሎታት ኣብዚ ሕዚ እዋን ብኢንተርኔት ተሓጊዞም እናተኻየዱ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ኣብቲ ዝተሳለጠ ኣኼባ ካልኦት ንኡሳን ኮሚቴታትቀንዲ ቀንዲ ስራሕቶም ከምኡ እውን ዘጋጠሙዎም ማሕለኻታት ዝገለፁ እንትኾኑ፥ ብፍላይ ኣብ ሕብረተሰብ ዝረአ ዘሎ ዕሽሽታ ትኹረት ተገይሩሉ።

ቀዳማይ ሚኒስትረ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ መላእ ሃገር ዘሎ ዓቕሚ ምርመራ ኮቪድ-19 ተጠናኺሮ ቅቕፅል ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ብተወሳኺ እቲ ለበዳ ሕማም ካብ ምምካት ጎኒ ንጎኒ ኣብ ፍርያታውነት ዓበይቲ ዘፈራት ክቕፅል ምግባር ኣገዳሲ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.