Fana: At a Speed of Life!

ብዘይሕጋዊ መገዲ እንትዘዋወር ዝነበረ ዶላር፣ ዩሮን ፓውንድን ተታሒዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ግንቦት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)መበገሲኡ ኣዲስ ኣበባ ብምግባር ብዘይሕጋዊ መገዲ እንትዘዋወር ዝነበረ ዶላር፣ ዩሮን ፓውንድን ተታሒዙ።

ብሓበሬታ ሕብረተሰብን ብክትትል መምርሒ ፖሊስ ሻሸመኔን እቲ ዝተትሓዘ ሸርፊ ወፃኢ 44 ሚሊየን በር ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቲ 473 ሺሕን 770 ዶላር፣ 393 ሺሕን 660 ዩሮን 39 ሺሕን 675 ፓውንድን ኮድ 2 አ አ B 67186 ብዝኾነ ፒካፕ መኪና ውሽጢ ኢዩ ተታሒዙ።

በቲ ዘይሕጋዊ ተግባር ዝተጠርጠሩ ክልተ ተጠርጠርቲ እውን ተታሒዞም።

ሓላፊ ዲቪዥን ኮምኒኬሽን መምርሒ ፖሊስ እቲ ከተማ ኢንስፔክተር ታምራት ኣበበ ንፋናብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝበልዎ፥ ኣብቲ ተሽከርካሪ ተወሳኺ ተፍቲሽ ብምግባር ዝተረኸበ ገንዘብ ኣብ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ሻሸመኔ ሪጅን ይቑፀር ኣሎ።

ፖሊስ ናይቲ ዝተትሓዘ ገንዘብ ፍልፍልን ዕላምኡን ብዝተወደበ ጉጅለ ምርመራ የፃሪ ኣሎ ኢሎም።

ብሃይለየሱስ ስዩም

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.