Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ናብ ዓብዪ ምዕራፍ ኣብ ትሳገረሉ ድልድል ትርከብ – ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግና

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ናብ ዓብዪ ምዕራፍ ኣብ ትሳገረሉ ድልድል ከምትርከብ ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግና ገሊፁ።

ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ “ኢትዮጵያ ናብ ዓብዪ ምዕራፍ ኣብ ትሳገረሉ ድልድል ትርከብ ሓደ ሓደ ካብቲ ድልድል ንደሓር ክምልሱዋ ይቃለሱ፤ ካልኦት ነቲ ድልድል ሰቢሮም ናብ ገደል ከእትዉዋ ይፍትኑ፤ ተጋደልቲ ደቃ ድማ ኣብቲ ድልድል ብዙሕ እንተይፀንሐት ንቕድሚት ክትስጉም ይቃለሱ ኣለዉ፤ ፓርቲ ብልፅግና ነቲ ሳልሳይ መሪፁ ኣሎ” ኢሉ።

ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ስግግር ከምትርከብ ዘገለፀ እቲ መግለፂ፥ ዕላማ እቲ ስግግር ኣብኡ ምፅናሕ ዘይኮነስ ናብ ዝማዕበለት ኢትዮጵያ መሰጋገሪ ከምዝኾነን እናጋጠሙ ዝርከቡ ናይ እዋን ስግግር ፈተናታት ከምዝኾኑን ገሊፁ፡፡

ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግና ካብ 7 ክሳብ 8 መጋቢት 2015 ዓ.ም ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፥ ኢትዮጵያ ካብ ዝሓለፈቶ መገዲ ዝመፅቶ፣ ናብ ምዕባለ ንምስግጋር ኣብቲ ድልድል ዝፀንሐትሉ፣ ኣብ ድልድል ኣብ ዝነበረትሎም እዋንት ዘጋጠሙዋ ፈተናታት፤ ካብቲ ድልድል ንደሓር ንምምላስ ዝቃለሱዋ ሓይሊታት፣ እቲ ድልድል ተሳጊራ ናብ ምዕባለ ንኽትሳገር ዘጋጠሙዋ ማሕለኻታት ብዝርዝር ከምዝመርመረ ኣብ መግለፂኡ ሓቢሩ፡፡

“ኣብዚ ሕዚ እዋን እናጋጠሙ ዝርከቡ ፈተናታት ካብ ሓሙሽተ ነገራት ዝመፅኡ ከምዝኾኑ ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲና ኣሚኑ ኣሎ” ዝበለ እቲ ፓርቲ፥ ነዚ ድማ ግቡእ ዝበሎ ሜላ ቃልሲ ከምዝሓንፀፀ ኣፍሊጡ፡፡

እቶም ፈተናታት ድማ፥ ቀዳማይ ፈተና ታሪኽ ካብ ዘስዐቡዎም ዕዳታት ዝፍልፍል ከምዝኾነ፣ ካልኣይ ፈተና ናፅነት ንምሕደራ ምጥቃም ዘይምኽኣል፣ ሳልሳይ ፈተና ህብረ ብሄራዊ ሓድነትና ዝፈታተኑ ኩነታት እናማዕበሉ ምምፀኦም፣ ራብዓይ ፈተና ምኽባር ናብራ ከምዝኾነን ሓምሻይ ፈተና ሌብነት ከምዝኾኑ ገሊፁ፡፡

መላእ ኢትዮጵያውያን እውን እዞም ፈተናታት ንምስዓር ምስ ፓርቲ ብልፅግና ሓሮም ንኽቃለሱ ፀዊዑ፡፡

ብሓፈሻ ኢትዮጵያ ኣብ ወሳኒ ምዕራፍ ከምትርከብ ምግምጋሙ ዝገለፀ ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግና፥ “ካብ ፅዕንቶ ኲናት ክልተ ዓመት እናተላቐቐና ንርከብ በቢከባቢኡ ዝርከቡ ዘይሕጋውያን ዕጡቓት ስርዓት ንምትሓዝ ዝሰራሕናዮ ስራሕ ውፅኢት እናምፀአ ከምዝርከብን ኣብ ፍርያት ሕርሻ ዝሐሸ ውፅኢት እናምፀአ ይርከብ” ኢሉ፡፡

ኣብ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ዝተጀመሩ ተግባራት ውፅኢት እንምፅኡ ከምዝርከቡ፣ ኣብ ዓውዲ ዲፕሎማሲ ዝነበሩ ፈተናታት እናተሳገረቶም ከምትርከብ፣ ዝርከብ ሓገዝን ልቓሕን እናወሰኸ ከምዝኾነ፣ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ትሕቲ ሰሃራ ካብ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪካ ሰለስተ ዋና ዋና ኢኮኖሚታት ሓደ ከምዝኾነን ብመኣዲ ንሃገር ዝተጀመሩ ፕሮጀክታት እናተዛዘሙ ከምዝርከቡን ከምዝገምገመ ገሊፁ።

እዞም ጅማሮታት ንምትዕንቓፍ ካብ ዝተፈላለዩ ኣንፈታት ዝድርበዩ ፈተናታት ምስጋር ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቡ፡፡

“እዚ ንምዕዋት ህብረ ብሄራዊ ሓድነትና ምጥንካር ወሳኒ ኢዩ፤ ተግባርናን ዘረባናን ዝተኣረመን ንህዝቢ ናብ ምዕባለ ዝወስድ ምዃኑ በቢእዋኑ ክነረጋግፅ ይግባእ፤ ትኹረትና ኣብ ልምዓት፣ ሰላምን ድሕንነትን ጥራሕ ክንገብር ይግባእ” ክብል ኣብ መግለፂኡ ኣመልኪቱ፡፡

ናፅነት ፕሬስ ብግቡእ ሕጊ፣ ልክዕን መጠንን፤ ሃገርን ህዝቢን ብዝረብሕ መልክዑ ተቓኒዩ ኣብ ረብሓ ክውዕል ምግባር ከምዝግባእ ዝሓበረ እቲ መግለፂ፥ ትካላት እምነት ሞራልን ክብሪን ህዝቢ ኣብ ምህናፅ፣ ኣብ ሰላምን ልምዓትን ብምውፋር ንምዕባለ ኢትዮጵያ ዘይትካእ ግደአን ክዋፅኣ ኢየን ዝብል ተስፋ ከምዘለዎ እውን ገሊፁ፡፡

ኣመራርሓ፣ ኣባላትን ደገፍቲን እቲ ፓርቲ፣ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ዘለዉ ዓበይቲ ማሕለኻታት ስዒሮም ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ዝዓሰላ ዝማዕበለት ኢትዮጵያ ንምህናፅ ዝተጀመረ ጉዕ ንኽዕወት፤ ፍልጠቶም፣ ጉልበቶምን ገንዘቦምን ብምስዋእ ኣካል እቲ ቃልሲ ንኽኾኑ ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ መግለፂኡ ፃውዒት ኣቕሪቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.