Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ መርሃ ግብሪ ምምሕያሽ ማሕበረሰብ – ሓቆፍ ዓሌት ኣባጊዕን ኣጣልን ተረባሒት ከምዝኾነት ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ገፀራማ ከባቢ ኣብ ትሑት ስራሕቲ ሕርሻን ምርባሕ እንስሳን ዝመሓደሩ ክፋላት ሕብረተሰብ ኢኮኖሚያዊ ተረባሕነት ምግባር ከምዝተኸኣለ ኢንስቲትዩት ልምዓት እንስሳት ገሊፁ፡፡

ብፍላይ ኣባጊዕን ኣጣልን ብምርባሕ ዝመሓደሩ ክፋላት ሕብረተሰብ ኢንስቲትዩት ልምዓት እንስሳት ፌዴሪኢ ዓሌት ናይ ምምሕያሽ መርሃ ግብሪ ካብ ዝጀመረሉ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2007 ጀሚሩ ተረባሕቲ ከምዝኾኑ ዋና ዳይሬክተር እቲ ኢንስቲትዩትን ተማራማሪን ኣስራት ጤራ ገሊፆም፡፡

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ እናዓበያ ዝርከባ ሃገራት ደረቃማ ደረቕ ከባቢታ ዝትግበሩ ስራሕቲ ሕርሻ መፍረያይነትን ፅሬትን ብምርምር ንምምሕያሽ ምስ ዝሰርሕ ዓለም ለኸ ማእኸል ምምር ሕርሻ ተመራመርቲ ምስ ዝኾኑ ተስፋዬ ጌታቸውን ኣይናለም ሃይሌን ፃንሒት ገይሮም፡፡

እቲ ማእከል ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2009 ጀሚሩ ምስ ኢንስቲትዩት ልምዓት እንስሳት ፌዴሪኢ፣ ሚኒስቴር ሕርሻ ፌዴሪኢ፣ ምስ ዝተፈላለያ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ከምኡ እውን ምስ ትካላት ምርምርን ካልኦት መሓዙት ኣካላት ብምትሕብባር እንስሳት ዘራብሑ ክፋላት ሕብረተሰብ ተረባሕቲ ንምግባር ብምትሕብባር እናሰርሐ ምፅንሑ ኣብሪሆም።

ኣብ ዘተፈላለዩ ክፋላት ኢትዮጵያ ዝርከቡ ቀንዲ ቀንዲ ዓሌታት ኣጣልን ኣባጊዕን ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ መላእ ሃገር ንምስፋሕ ከምዝሰርሑ ተዛሪቦም፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኢትዮጵያ 146 ዝኾኑ መርሃ ግብሪታት ማሕበረሰብ ሓቆፍ ምመሓየሺ ዓሌታት ኣባጊዕን ኣጣልን እናተሳለጠ ከምዝኾነ ተመራማሪ ተስፋዬ ጌታቸው ተዛሪቦም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.