Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ኣካዳሚ ምርምር ኣመራርሓ ኣፍሪካ ዑደት ኣሳሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ኣካዳሚ ምርምር ኣመራርሓ ኣፍሪካ ዑደት ኣሳሊጦም።

ርእሰ ኣካዳሚ ምህረት ደበበ፥ እቲ ትካል ብዝተማልአ ማእኸል ስልጠና ላዕለዎት ኣመራርሓ የሰለጥን ከምዘሎ ተዛሪቦም።

እዚ ድማ ብብርኪ ኣፍሪካ ከብ ብምባል ዓቕሚ መራሕቲ እዛ ኣህጉር ብምጉልባት ምዕባለ ኣፍሪካ ንምርግጋፅ ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፆም።

እቲ ኣካዳሚ ኣገልግሎት ምርምርን ምምኻርን ኣብ ምሃብ እውን ይነጥፍ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ ኣብ ቀረባ እዋን ፎረም ፓን አፍሪካኒዝም ከምዘዳሉ ሓቢሮም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.