Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደር ተስፋዬ ይልማ ምስ ኣምባሳደራት ኣባል ሃገራት ኢኮዋስ ታቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ተስፋዬ ይልማ ምስ ኣምባሳደራት ኣባል ሃገራት ማሕበረሰብ ኢኮኖሚ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪካ (ኢኮዋስ) ናብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ታቲዮም።

ኣምባሳደር ተስፋዬ፥ ኣብ ክልተኣዊ፣ ዞባዊ፣ ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊን ጉዳያት ኣድሂቦም ምስቶም ኣምባሳደራት ተዛቲዮም።

እቶም ሚኒስትር ዲኤታ ነቶም ኣምባሳደራት ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣመልኪቶም ገለፃ ዝገበሩ እንትኾኑ፥ ኣብ ቀፃሊ ኢትዮጵያ ምስ ማሕበረሰብ ኢኮኖሚ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪካ (ኢኮዋስ) ዘለዋ ርክብ ብዝበለፀ ኣጠናኺራ ክትቅፅል ኣብ ዘኽእላ ጉዳይ እውን ተመያይጦም።

ኣብ ሓበራዊ ምርድዳእን ኣብ ቀፃሊ ሓቢሮም ክሰርሑሎም ኣብ ዝኽእሉሉ ጉዳያት ብምድሃብ እቲ ዘተ ከምዝተዛዘመ ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል ሚኒቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሐበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.