Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መንጎ ላዕለዎት ትካላት ኢትዮጵያን ቻይናን ዘሎ ምትሕብባር ምጥንኻር ይግባእ-ኣይተ ደመቀ መኮነን

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መንጎ ላዕለዎት ትካላት ኢትዮጵያን ቻይናን ዘሎ ምትሕብባር ምጥንኻር ይግባእ ክብሎ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ገሊፆም።

ኣይተ ደመቀ ኣብ ምረቓ መፅሓፍ ቻይናውያን ተምሃሮ ዩንቨርስቲ መፅናዕቲ ወፃኢ ቤጂንግ ብምርካብ መደረ ኣስሚዖም።

ኣብ መደረኦም፥ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኢትዮጵያ ምስ ትካላት ምርምር ቻይና ልውውጥ ልምዲ ምግባር ልዑል ረብሓ ኣለዎ ኢሎም።

ኣብቲ ስነስርዓት ሰለስተ መምሃሪ መፃሕፍቲ ኣምሓርኛ ተመሪቖም።

ምክትል ፕሬዚዳንት እቲ ዩኒቨርሲቲ ጂያ ዌንጂያን፥ እቲ ቋንቋ ኣብ ቻይና ምምሃር ምጅማሩ ባህልን ታሪክን ቻይና ንምፍላጥ ልዑል 5ረብሓ ከምዘለዎ ምሕባሮም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.