Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መድሓኒት ትራማዶል ጥቡቕ ክትትል ክግበር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መድሓኒት ትራማዶል ጥቡቕ ክትትል ከምዝግበር በዓል መዚ ምቁፅፃር ምግቢን መድሓኒትን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ በዓል መዚ ኣብ ኣጠቓቕማ እቲ መድሓኒት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ÷ ካብ ትእዛዝ ሰብ ሞያ ጥዕና ወፃእ ብዙሓት መናእሰይ ንፀረ ቃንዛ ብዝብል ብዘይግቡእ ከምዝጥቀሙ ሓበሬታ ከምዝረኸበ ገሊፁ።

እቲ መድሓኒት ብዘይ መእዘዚ ካብ ሞንጎ ዝወሃቡ መድሓኒታት ሓደ ከምዝነበረ ዝገለፀ እቲ በዓል መዚ÷ እቲ መድሓኒት ወልፊ ዘትሕዝ ባህሪ ከምዘለዎ ኣብ ግምት ብምእታው ብዘይመእዘዚ ካብ ዝወሃቡ መድሓኒታት ዝርዝር ንኽወፅእ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናተሰርሑ ከምዝፀንሑ ተሓቢሩ።

እቲ ኩነታት ኣተሓሳሳቢ ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው÷ ኣብቲ መድሓኒት ጥቡቕ ቁፅፅር ከምዝገብር እቲ በዓል መዚ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ መድሓኒት ንዘፈር ጥዕና መሰረታዊ ስለዝኾነ÷ ድሕሪ ሕዚ ብፍሉይ መእዘዚ ወረቐት ከምዝእዘዝን ኣብቲ መእዘዚ ቁፅፅር ከምዝግበርን ተገሊፁ።

ብቅድስት ኣባተ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.