Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዳማ ኣፅዋራት ኲናት ሓዊሱ 82 ልኡኻት ጉጅለታት ግብረ ራዕዲ ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዳማ ኣፅዋራት ኲናት ሓዊሱ 82 ልኡኻት ጉጅለታት ግብረ ራዕዲ ሸኔን ህወሓትን ኣብ ቁፅፅር ከምዘውዓለ ቤት ፅሕፈት ፀፅታን ምምሕዳርን እታ ከተማ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ እቲ ቤት ፅሕፈት መኩሪያ ድንቁ፥ ልኡኻት ጉጅለታት ግብረ ራዕዲ ሸኔን ህወሓትን ኣብታ ከተማ ኣብ ዝኽበር በዓል መስቀልን ኢሬቻን ካልኦት ህዝባዊ በዓላትን ንምህዋኽ ምንቅስቓስ ይገብሩ ከምዝነበሩ ተዛሪቦም።

33 ኣባላት ግብረ ራዕዲ ሸኔን ኣባ ቶርቤን 49 የኣባላት ገብረ ራዕዲ ህወሓትን ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ገሊፆም።

ብተወሳኺ 19 ሽጉጣት፣ 6 ክላሽንን ልዕሊ 3ሺሕ ተተኮስቲ ጥይታትን ከምዝተትሓዙ ገሊፆም።

ኣብ ቀፃሊ ቀዳመ ሰንበት ኣብ ፊንፊኔን ቢሸፍቱን ሆራ ኣርሰዲ ዝኽበር በዓል ኢሬቻ ብዘይ ምንም ፀገም ፀፅታ ንክዛዘም እቲ ምምሕዳር ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምውዳድ ይሰረሕ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.