Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት 20 ድሮናት ዝሰርሐ ኢትዮጵያዊ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣማኑኤል ባልቻ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ደንቢ ዶሎ መምህር ሜካኒካል ምህንድስና ኢዩ፡፡

ኣብ ሓደ ዓመት ዝተፈላለየ መጠንን ኣገልግሎትን ዘለወን “ፊክስድ ዊንግ”ን “መልቲ ኮፕተር (ሮተርስ)” ብዝብል ሳይንሳዊ ምድባት ዘረአያ 20 ድሮናት ሰሪሑ፡፡

እተን ድሮናት ኣብ ቤተ ፈተነ እቲ ዩኒቨርሰቲ ካብ ዝርከቡ እታወታት ዝተሰርሓ ኢየን፡፡

“ኳድ ኮፕተር፣ ኦክቶ ኳድ ኮፕተር ን ዋይ-6 (Y-6) መልቲ ኮፕተር” ዝተብሃላ ዝተፈላለየ መጠን ዘለወን ድሮናት እውን ኣብ ሓደ ወርሒ ሰሪሑ ኢዩ እቲ በዓል ሞያ ፈጠራ፡፡

እተን ድሮናት ብሪሞትን ብኮምፒውተርን ‘ሚሽን’ ብመሃብ ምብራር ከምዝከኣል ይገልፅ፡፡

ካብ ሓደ ማእኸል (መእዘዚ ጣቢያ) እንትእዘዛ፥ ክሳብ 1 ክሳብ 2 ነጥቢ 5 ኪሎ ሜትሮ ንኽበርራ ዘኽእል ‘ሪሞት’ ከምዘለዎ እውን ገሊፁ፡፡

እተን ስራሕቲ ፈጠራ፥ ወረቓቕቲ ንምብታን፣ ኬሚካል ንምንፃግ፣ ብድምፂ ምልክታ ንምስማዕ፣ ንቐረፃ፣ ንመጥፍኢ ባርዕ ሓዊን ካልኦት ኣገልግሎታትን ከምዝውዕሉ ኣማኑኤል ባልቻ ኣብሪሁ፡፡

ብማእኸላይ ካብ 300 ሚሊ ሊትሮን 1 ነጥቢ 2 ኪሎ ግራምን ናይ ምሽካም ዓቕሚ ከምዘለወን ገሊፁ፡፡

በዓል ሞያ ፈጠራ ኣማኑኤል ባልቻ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፆ፥ ሕዚ ዝተሰርሓ ድሮናት ዝሽፍነኦ ርሕቐትን ዓቕሚ ምሽካመንን እኹል ከምዘይኮነን ድሮናት ምስራሕ ከምዝከኣል መርአዪ እምበር ክመሓየሻ ኣለወን፡፡

ኣመሓይሽካ ንምስራሕ ድማ ከም ሞተር ታይፕ፣ ባትሪ ታይፕ፣ ሃይ ቮልቴጅ ሊፖ ባትሪ፣ ሎንግ ሬንጅ ሪሞት (ትራንስሚተር)፣ ኤፍ ፒ ቪ ካሜራታትን ካልኦት ንድሮናት ኣድለይቲ ናውቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘይምርካበን ማሕለኻ ከምዝኾኖ ኣብሪሁ፡፡

ብወገን መንግስቲ ንስራሕቲ ድሮናት ኣድላዪ ናውቲ ናብ ሃገር እንተዝኣቱ፥ ንወታደራዊ፣ ጥዕና፣ ሕርሻ፣ መጥፍኢ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ፣ ንካርታ፣ ቀረፃ ኣገልግሎታት ዝውዕሉ ልዑል ክብደት ዝሽከሙን ነዊሕ ርሕቐት ዝጓዓዙ ድሮናት ክሰርሕ ከምዝኽእል ገሊፁ፡፡

ብዮሃንስ ደርበው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.