Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ብዝተኻየዱ ውድድራት ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተዓወትቲ ኮይኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ብዝተኻየዱ ውድድራት ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዓወት ቀኒዑዎም።

ኣብ ጀርመን ካልስሩህ ቱር ውድድር ጉያ ውሽጢ ገዛ ዓለም ብ3 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ተባዕትዮ በሪሁ ኣረጋዊ ቀዳማይ ወፂኡ፡፡

ኣብ ጣሊያን ቪቶሬ ኦሎና ብዝተገበረ ውድድር ጉያ ቺንኩ ሙሉኒ ብደቂ ተባዕትዮ ንብረት መላክ 1ይ፣ ታደሰ ወርቁ 3ይ፣ ቢቂላ ታደሰ ድማ 4ይ ኮይኖም ውድድሮም ዛዚሞም።

ኣብ ስፔን ሄታፌ ብዝተገበረ ውድድር ጉያ ፍርቂ ማራቶን ገብሬ እርቅይሁን ሳልሳይ ደረጃ እንትሕዝ፥ ኣብ ስፔን ከተማ ሲቪያ ብዝተገበረ ፍርቂ ማራቶን ውድድር እውን ብደቂ ተባዕትዮ ሃብታሙ ብርሌው ካልኣይ፣ ስንታየሁ ድንቄሳ ድማ ሳልሳይ ደረጃ ሒዞም ውድድሮም ዛዚሞም፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪብደቂ ኣንስትዮ ቤተልሄም ኣፈንጉስ 1ይቲ ከምኡ እውን ብርቱካን ወርቅነህ ካልአይቲ ኮይነን ምዝዛመን ካብ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.