Fana: At a Speed of Life!

እናተኻየደ ምስ ዝርከብ ወፍሪ ተተሓሒዙ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ዘሃቡዎ ምላሽን መብርሂን፦

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቅድሚ ክብል ኣዛዚ እዚ ሰሜን ዝነበሩ ጄነራል ድሪባ ምስ ኣመራርሓታት እቲ ጁንታ ምሳሕ ምስ በልዑ ንባዕሎም ስሒቶም ኣብ ሆስፒታል ከምዝርከቡ ገሊፆም።

ኣባላት እቲ ጁንታ በቶም ኣዛዚ ዝተሸወሙ ኣይቅብለን ምባሎምን ንምክትል ኣዛዚ እዚ ሰሜን ከምዘዓፈኑዎምን ገሊፆም።

24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል መጥቃዕቲ ምስኣብፅሑ ትልሞም ናብ ክልል ኣምሓራ ምእታው ሰለዝነበረ፤ ፈላማይ ስራሕ ንባዕልኻ ምክልኻል ከምዝነበረ ተዛሪቦም።

ኣብዚ ድማ መጥቃዕቲ ዝተፈፀሞም ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ናብ ኤርትራ ንኽወፅኡ ናይ ምግባር ስራሕቲ ከምዝተሰርሐ፤

ሰለስተ ጀነራላት ሒዞም ናብቲ ቦታ ከምዘምርሑን ካብ መጥቃዕቲ ምስ ዘምለጡ ኣባላት ሰራዊት ከምዝተራኸቡን ገሊፆም፤

ድሕሪ እዚ ድማ እቶም ጀነራላት ነቲ ዓውደ ግምባር እናመርሑ ኣብ ውሽጢ 15 መዓልቲታት ብዙሕ ዓወት ከምዘመዝገቡ ኣብሪሆም።

ኢትዮጵያ ንህይወቶም ዘይስስዑ ጀጋኑ እንተዘይጥፈጥር ሕዚ ንርከበሉ እዋን ካሊእ ክኸውን ነይሩ፤ ኣብ ከይዲ እዚ ድማ ግደ ህዝቢ ትግራይ ዕዙዝ ከምዝነበረ፣ ንሰራዊት ምክልኻል ኣይትውቅዑ ስለዝበለ ባንዳ ተባሂሉ ዝተወቕዐ ትጋራዋይ እውን ኣሎ ኢሎም።

እቲ ጉዳይ ናይቲ ጁንታ እምበር ጉዳይ ህዝቢ ትግራይ ከምዘይኮነ ህዝቢ ብተግባር ኣረጋጊፁ ኢዩ።

ትማሊ ኣብ መቐለ ምስ ህዝቢ ዘተ ነይሩና፤ እቲ ህዝቢ ደንጒኹም እንኳዕ ደሓን መፃእኹም፤ ማይ፣ መብራህቲን ኔትዎርክን ቀልጢፍኩም ኣስተኻኽሉልና፣ እቲ ጁንታ እንተይተወደበ ቀልጢፍኩም መንግስቲ ኣዋድዱልና ከምዝበሉዎም ገሊፆም።

ቀፃሊ ስራሕና ንትግራይ ምህናፅ ኢዩ፤

ምስቲ ጎንፂ ተተሓሒዡ 30 ሺሕ ሰባት ተመዛቢሎም ኢዮም ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ክነጣይሾም ኢና፤

ናብ ሱዳን ካብ ሞንጎ ዝተሰደዱ ሰባት ህፃናን ደቂ ኣንስቲዮን የብሎምን። መናእሰይ ኢዮም፤

ኣብ ማይ ካድራ ሰብ ሓሪዶም ዝኸዱ እንተኾይኖም ብሕጊ ክሕተቱ ኢዮም።

ኣብ ዙሪያ እዚ ድማ ንዓለም ለኸ ትካላት በርና ክፉት ኦዩ።

ኣብቲ ክልል ኣፍልጦ ካብ ዘለዎ ፓርቲ ወፃእ እቲ ክልል ክመሓደር ክግበር ኢዩ፤

ኣብ ውሽጢ ሓፂር እዋን ህዝቢ ክልል ትግራይ ብናይ ባዕሉ ሰባት ክመሓደር ኢዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.