Fana: At a Speed of Life!

ካብ እዚ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ዝተመሓላለፈ መተሓሳሰቢ

ኣብ ሰሜን ሸዋ፤ ደቡብ ወሎን፤ ዞባታት ብሄረሰብ ኦሮሞ ኣብ ከባቢታት ሰሜን ወሎ እትርከቡ ኩሉኹም

ሀ/ ንዕጡቓት ጉጅለ ግብረ ራዕዲ

ጅግና ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ምስ ካልኦት ሓይልታት ፀጥታ ብዝገበርዎ ልዑል መጥቃዕቲ ፀላኢ ናብ ዝኣትዎ ስኢኑ ኣብ ቅልውላው ይርከብ። ዝከአሎ ጉሒሉ፤ ዘይከኣሎ ድማ ኣውዲሙ ንምህዳም ፀላኢ እናፈተነ እዩ። እቲ ሓይሊ ግበረ ራዕዲ ኣብ ዝኣተወሉ ከባቢ ኣድላይ ዝበሃል ቅፅዓት ከይረኸበ ክወፅእ የብሉን። ወይ ክማረኽ ወይ ከዓ ስጉምቲ ይውሰደሉ።

ስለዝኾነ ድማ፦

  1. ኣብ ዝተወረሩ ከባቢታት ዝኣተኹም ኣባላት ግበረ ራዕዲ ህወሓት፤ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር፤ ብልዑል ኩነታት ጦር ህወሓት እናተደምሰሰ ምዃኑ ፈሊጥኹም ህይወትኩም ንምትራፍ ክትብሉ ፤ መሳርሒኹም ኣውሪድኩም ኢድኩም ብህፁፅ ንክትህቡ ነተሓሳስብ፤ እዚ ከይገበርኩም እንተተሪፍኩም ንዝበፅሐኩም ቅፅዓት ነቲ ሓላፍነት ዓርስኹም ኢኹም ትወስዱ።
  2. ኢዶም ንዝህቡ ኣባላት ግብረ ራዕዲ ህወሓት እቲ ህዝቢ ተኸናኺኑ ንኣካላት ፀጥታ ኣሕሊፉ ንክህብ፤ ኣካላት ፀጥታ እውን ብሕግን ስርዓትን ንክሕዝዎም ትእዛዝ ተዋሂቡ እዩ።

ለ/ ኣብ ዝተወረሩ ከባቢታት እትነብሩ ክፋላት ሕብረተሰብ

  1. ኣብ ግንባርን ኣብ ዝተወረሩ ከባቢታት እትርከቡ መላእ ህዝብታት፤ ተወዲብኩም ነቲ ዝተዘረፈ ንብረት ብምትራፍ፤ መካይኖም ንከይሓልፉ መንገድታት ብምልኦም ብ ኣእማንን ጉንዲታት ብምዕፃው ዕጡቓት እቲ ግበረ ራዕዲ ኣብ ቑፅፅር ኣውዕሉዎም፤ በቢገደሉ፤ በቢዱሩ እናተወደብኩም ፀላኢ መውፅኢን መእተዊን ንኽስእን ብምግባር፤ መልክዕ ዝኾነ ይኹን ፀላኢ ንድሕሪት ከይምለስን ኣብ ዘለዎ ንኽተርፍ ንክትገብሩ ፃውዒት ቀሪቡልኩም ኣሎ። ዝኾነ ይኹን ፀላኢ ናብ ድሕሪት ሃዲሙ ከምልጥ የብሉን። ኢድ ክህብ ወይከዓ ስጉምቲ ክውሰደሉ ይግባእ።
  2. ፀላኢ መሳርሒታት ውግእ ሒዙ ከምልጥ የብሉን፤ በቢ ግንባር እትርከቡ ክፋላት ሕብረተሰብ ፀላኢ ሒዝዎ ዝሃድም ዝኾነ ይኹን መሳርሒ ኲናት ማሪክኹም ወይ ድማ ደምሲስኩም ንክትዕጠቑ፤ መሳርሒታት ጉጅለን ካልኦትን ድማ ማሪክኹም ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንኽተረክቡ ኣዋጅ እዚ ህፁፅ እዋን የተሓሳስብ፤ ብመተካእታ ካሊእ መሳርሒ ውልቀ ሰብ ክወሃበኩም እዩ።

ብዝተሓባበረ ብቅልፅምና ንናፅነትና ንኣውጅ ።

ኣዋጅ እዚ ህፁፅ እዋን

ከባኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.