Fana: At a Speed of Life!

ክልል ሲዳማ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝኸውን ናይ 45 ሚሊየን ብር ብዓይነትን ብርን ደገፍ ገይራ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 24 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ሲዳማ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝኸውን ናይ 45 ሚሊየን በር ግምት ዘለዎ ብዓይነትን ብርን ደገፍ ገይራ።

ዳይሬክተር ዋና ዳይሬክቶሬት ዋና መምርሒ ፋይናንስ ስራ ኣመራርሓ ሕብረት ሎጀስቲክስ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብ/ጀ አስረፅ ኣያሌው፥ ህዝብና ኣብ ጎንና ኣሰሊፍና ሃገርና ንምሕማስ ዝህንደድ ዘሎ ፅንፈኛ ጁንታ ዳግም ንኸይቦቅል ገይርና ክንነቕሎ ኢና ኢሎም።

ሓላፊ ዓውዲ ኣወዳድባ ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣሸናፊ ኤሊያስ ብግደኦም፥ ንሰራዊት ደጀን ብምዃን 221 ብዕራይ፣ 216 ኣባጊዕ ፣ 204 ኣጣልን ብኣዶታት ዝተዳለወ ስንቅን ብሓፈሻ 15 ሚሊየን ብር ዝግመት ብዓይነትን 30 ሚሊየን ብጥረ ገንዘብን ደገፍ ገይርና ኢና ምባሎም ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.