Fana: At a Speed of Life!

ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ ክልል ህዝቢታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ እነዛተየ ይርከብ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ ክልል ህዝቢታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ሚዛን ኣማን እነዛተየ ይርከብ።

ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ሙሉጌታ ኣጎ ኣብቲ መድረኅ ኣብ ዘስምዑዎ መደረ÷ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ድሌት ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት እታ ሃገር ህዝቢ ዘማእኸለ ምኽክር እናገበረ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

እቲ ኮሚሽን ዘይሻራዊ ብዝኾነ መልክዑ ስርሑ ኣብ ምስራሕ ይርከብ ዝበሉ እቶም ኮሚሽነር÷ “ኩሉ ኢትዮጵያዊ ውቅብቲ ሃገር ንምህናፅ ዝኸኣሎ ተሳትፎ ክገብር ይግባእ” ኢሎም፡፡

ዋና ተፀዋዒ መንግስቲ ክልል ህዝቢታ ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ኣይተ ፀጋዬ ማሞ ብግደኦም÷ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኣብ ሞንጎ ህዝቢታት ጥርጣረ ብምውጋድ ሓድነት ዘጠናኽር ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

መንግስቲ እቲ ክልል ንተግባራዊነትን ውፅኢታውነትን ሃገራዊ ምኽክር ሓገዙ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣብሪሆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.