Fana: At a Speed of Life!

ኮ/ር ደራርቱ ቱሉ ናይ እንኳዕ ደስ በለና መልእኽቲ ኣመሓላሊፈን

ኣዲስ ኣበባ፣  23 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክሰ ኢትዮጵያ ኮማንደር ደራርቱ ቱሉ፥ ኢትዮጵያ ኣብ ቶኪዮ ኦሊምፒክ  ብኣትሌት ሰለሞን ባረጋ ናይ መጀመሪያ ሜዳሊያ ወርቂ ብምዕዋታ ናይ እንኳዕ ደስ በለና  መልእኽቲ ታሕጓስ ኣመሓላሊፈን።

ኮማንደር ደራርቱ ኣብ ዘመሓላለፍኡ መልእኽቲ፥ ንመላእ ህዝቢ ብስመንን ብስም ኮሚቴ ማነጅመንትን ፈፀምቲ ስራሕን እቲ ፌዴሬሽን፣ ኣሰልጠንቲን ሰራሕተኛታትን እንኳዕ ደስ በለኩም ኢለን።

ኣትሌት ሰለሞን ባረጋ ነቲ ርሕቐት ብ27 ደቒቓ 43 ሰከንድን 22 ማይክሮ ሰከንድን ብዝኾነ ግዘ ቀዳማይ ኮይኑ ምዝዛሙ ይዝከር።

ኣትሌት በሪሁ ኣረጋዊ ድማ 27 ደቒቓ 46 ሰከንድን 16 ማይክሮ ሰከንድን ብምእታው ራብዓይ ደረጃ እንትረክብ አትሌት ዮሚፍ ቀጄልቻ ድማ 27 ደቂቃ 52 ሰከንድን 3 ማይክሮ ሰከንድን ነቲ ርሕቐት ብምዝዛም ሻምናይ ኮይኑ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.