Fana: At a Speed of Life!

ወዲ 6 ዓመት ህፃን ብምዕጋት 200 ሺሕ ብር ዝሓተተ ውልቀ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 13 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ወዲ 6 ዓመት ህፃን ብምዕጋት 200 ሺሕ ብር ዝሓተተ ውልቀ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓለ ፖሊስ ኣፍሊጡ።

ኣባል ሸኔ ከምዝኾነ ዝተጠርጠረ እቲ ውልቀሰብ ወዲ 6 ዓመት ህፃን ብምዕጋት 200 ሺሕ ብር ካብ ወለዲ እቲ ህፃን ተቐቢሉ ኣብ ከተማ ሆለታ ዝርከብ ዱር ሓዲጉዎ ከምዝኸደ ተገሊፁ።

ድሕሪኡ ድማ ኣብ መናሃርያ ዘነበ ወርቅ ተሳፊሩ ናብ ከተማ ጅማ ንምምላጥ እንትፍትን ኣብ ክፍለ ከተማ ኮልፌ ቀራንዮ ወረዳ 01 ጅማ በር፤ ኣባላት ፖሊሰ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ክውዕል ከምዝኀኣለ ካብ ኮሙዩኒኬሽን ፖሊስ እታ ክፍለ ከተማ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ እታ ክፍለ ከተማ ኣይተ ገብሬ÷ መሰል ገበና ካብ ቦታ እናተዘዋወሩ ዝፍፅሙ ፀጉረ ልውጣት ስለዘለዉ ሕብረተሰብ ከባቢኡ ብንቕሓት ንኽሕሉ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.