Fana: At a Speed of Life!

ዩኒቨርሲቲታት ንብሄራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ዝገበርዎ ምድላው ዘሕጉስ እዩ -ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒቨርሲቲታት ንብሄራዊ ፈተና 12 ክፍሊ  ዝገበርዎ ምድላው ዘሕጉስ ምዃኑ  ሚኒስትር ትምህርቲ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ተዛሪቦም፡፡

እቶም ሚኒስትር ዩኒቨርስቲ ሳይንስና ቴክኖሎጂ ኣዳማ ብሄራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ንምሃብ ዝገበሮ ምድላው ዑደት ገይሮም፡፡

ዕላማ እቲ ዑደት ድማ ፈተና 12 ክፍሊ ብደሕንነትን ብዘይምንም ጉሕለት ፈተናን  ኢሉውን ኩረጃ ንምክልኻልን ዘኽእሉ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ቅድመ ምድላዋት ንምዕዛብ ምዃኑ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ኣብሪሆም፡፡

ተፈተንቲ ተምሃሮ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝህልዎም ፃኒሒት  ምግቦምን መደቀሲኦምን ዝተማዓራረየ ከምዝኾነን፤ ከምወላዲ ሓላፊነት ወሲዶም ይሰርሑ ከምዘለዉን ድማ ሓቢሮም፡፡

ዛጊድ ድማ ዝረአ ዘሎ ውፅኢት ዘሐጉስ ምዃኑ ዝገለፁ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ዩኒቨርሲቲታትን ዝተፈላለዩ ትካላት መንግስቲን ዝገብርዎ ዘለዉ ፃዕሪ ዓቕሚ ከምዘሎ ዘርእይን ዝናኣድን ምዃኑ ተዛሪቦም፡፡

ምስ ፀገም ፀፅታ ተታሓሒዙ ሐዚ ክፍተኑ ንዘይኽእሉ ተምሃሮ 12 ክፍሊ እቲ ፈተና ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ንምሃብ ምድላዋት ይግበር ከምዘሎ ገሊፆም።

ሐዚ ዝውሃብ ፈተና ዘበን ትምህርቲ 2014 ዓ/ም ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር  ብሄራዊ ፈተና 12 ክፍሊ 2015 ዓ.ም ኣብ ወርሒ ግንቦት ከምዝዋሃብ ድማ ተገሊፁ፡፡

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.