Fana: At a Speed of Life!

ፅባሕ ኣብ ክልል ደቡብ ህዝበ ውሳኔ ክካየድ ኢዩ – ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፅባሕ ኣብ ክልል ብሄር፣ ብሄረ ሰባትን ህዝቢታን ደቡብ ህዝበ ውሳኔ ከምዝካየድ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኣብ ትሕቲ እቲ ክልል ዝርከባ ዞባታት ጋሞ፣ ጎፋ፣ ዎላይታ፣ ጌዴኦ፣ ኮንሶን ደቡብ ኦሞን÷ ህዝበ ውሳነ ክካየድ ኢዩ ኢሉ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ፍሉያት ወረዳታት ቡርጂ፣ ባስኬቶ፣ ኣሌ፣ ኣማሮን ደራሼ ህዝበ ውሳኔ ከምዝካየድ እቶ ቦርድ መረፃ ገሊፁ፡፡

ኣብቲ ህዝበ ውሳነ 5 ሺሕን 274 ተዓዘብቲ ውሽጢ ዓዲ ከምዝሳተፉ ካብቲ ቦርድ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እቲ ቦርድ ንዘካይዶ ህዝበ ውሳነ ኣብ 3 ሺሕን 769 ጣቢያታት መረፃ ብዘካየዶ ምዝገባ መረፅቲ÷ 3 ሚሊየን 28 ሺሕን 770 ሰባት ድምፂ ንመሃብ ከምዝተመዝገቡ ኣፍሊጡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.