Fana: At a Speed of Life!

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ምስ ዩኒቨርሲቲ ኣሶሳ ብሓባር ንምስራሕ ተፈራሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ምስ ዩኒቨርሲቲ ኣሶሳ ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእሎ ሰነድ ተፈራሪሙ።

ኣብቲ ስምምዕ ኣብ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ቋንቋታት ሸለመ ከቤን ምክትል ፕሬዚዳንት ጉዳያት ኣካዳሚክ እቲ ዩንቨርስቲ ረዳት ፕሮፌሰር አበራ ባይሳን ፈሪሞምዎ።

ኣብ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር በቢዓውዱ ብቑዓት ሰብ ሞያታት ንምፍራይ፣ ፀገም ዝፈትሑ ስራሕቲታት ምርምር ብምክያድ ናብ ተግባር ንምቕያር ከምኡውን ህይወት ማሕበረሰብ ንምልዋጥ ብምትሕብባር ምስራሕ ኣብ ዝብል ዝጠመተ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ክልቲኦም ትካላት ንኩለመዳይ ሃገራዊ ዕብየት ብሓባር ክሰርሑ ኢዮም፤ ኣብቲ ዩንቨርስቲ ዝስርሑ ማሕበረሰብ ተኮር ጉዳያት ብሚዲያ ተበፃሕቲ ንምግባር ክተሓባበሩ ኢዮም ተባሂሉ።

ፋና ብሮድካስትንግ ኮርፖሬት እዋናዊ፣ ዘሀድሱ፣ ዘምህሩ፣ ለውጢ ዘምፅኡን ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ብኤፍኤምን ዲጂታል ሚዲያን ኣቢሎም ብፅርየትን ብእዋኑን ንምብፃሕ እቲ ዩንቨርስቲ ተወሳኺ ዓቕሚ ከምዝኾኖ ኣይተ ሸለመ ተዛሪቦም።

እቲ ዩንቨርስቲ ብኣገልግሎት ተምሃሮ፣ ብምርምር፣ ማሕበረሰባዊ ስራሕቲ ለምዓት ተረባሕነት ሕብረተሰብ ብምርግጋፅ ከምዝስራሕ ተገሊፁ።

ረዳት ፕሮፌሰር አበራ ባይሳ ብግደኦም፥ ትካሎም ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ብምዃን ብዙሓት ስራሕቲ ይሰርሕ ከምዝነበረ ተዛሪቦም።

ኣብ ቀፃሊ እውን ሕብረተሰብ ተኮር ኣብ ዝኾኑ ጉዳያት ብሓባር ምስራሕ ከምዝቕፅል ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.