Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ መዓልቲ ፃዕዳ ሪባን ንምኽባር ናብ ከተማ ሃዋሳ ኣቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ብብርኪ ዓለም ንመበል 31ን ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ንመበል 17 ግዘ ዝኽበር መዓልቲ ፃዕዳ ሪባን ንምኽባር ናብ ከተማ ሃዋሳ ኣቲየን።

እተን ፕሬዚዳንት ኣብ ከተማ ሃዋሳ እንትበፅሓ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማ ደስታ ሌዳሞን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ክልልን ኣቀባብላ ገይሮምለን።

ሚኒስትር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋየን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራልን እውን ኣብ ሃዋሳ ተረኺቦም ኢዮም።

ዓለም ለኸ በዓል መዓልቲ ፀረ ፆታዊ መጥቃዕቲ (መዓልቲ ቀይሕ ሪባን)÷ ኣብ ከተማ ሃዋሳ እናተኸበረ ከምዝርከብ ካብ ቤት ፅሕፈት ርእሰ መምሕዳር ክልል ሲዳማ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.