Fana: At a Speed of Life!

ሃገራዊ መርሃ ግብሪ ምዘና ትምህርቲ ብርሃን ተጀሚሩ  

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ሃገራዊ መርሃ ግብሪ ምዘና ትምርቲ ብርሃን ተጀሚሩ።

ሚኒስትር ትምህርቲ ዶክተር ኢንጅነር ጌታሁን መኩሪያ፥ መናእሰይን ዓበይቲን በፍልጠት ዝማዕበሉ ብምግባር መሃይምነት ምቕናስ ዘኽእል ኢዩ ኢሎም።

እቲ መርሃ ግብሪ፥ መናእሰይን ዓበይቲን ናይ ምንባብ፣ ምፅሓፍን ምስላሕን ክእለቶም ብምምዛን ብመሰረት ዝረኽብዎ ውፅኢት ኣፍልጦ ምሃብ ዘኽእል ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ።

ኣብቲ ምዘና ኣዕጋቢ ውፅኢት ዝረኸቡ መናእሰይን ዓበይቲን ከከምድልየቶም ተረባሕቲ ዕድል ትምህርቲ ንክኾኑ ዘኽእል ከምዝኾነ ድሓ ተገሊፁ።

ኣብቲ መፈለሚ መርሃ ግብሪ፥ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ደመቀ መኮነን፣ ኣፈጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ታገሰ ጫፎ ሓዊሱ ካልኦት ብዙሓት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራልን ክልላትን ተረኺቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.