Fana: At a Speed of Life!

ህወሓት ብወገን ክልል ዓፋር ብምኽንያት ዝኸፈቶ ሓዱሽ መጥቃዕቲ ሓገዝ ፅዒነን እናተጓዓዛ ዝነበራ ተሸከርከርቲ ንደሓር ክምለሳ ተገዲደን

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብወገን ክልል ዓፋር ብምኽንያት ዝኸፈቶ ሓዱሽ መጥቃዕቲ ሓገዝ ፅዒነን እናተጓዓዛ ዝነበራ ተሸከርከርቲ ንደሓር ንኽምለሳ ከምዝተደዳ ተገሊፁ።

ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ቤት ፅሕፈት ቀዋሚ ልኡኽ ኢትዮጵያ ከምዝሓበሮ፥ ህወሓት ብወገን ዓፋር እናፈፀሞ ብዝርከብ ትንኮያን ናብ መንበሪ ኣባይቲ እናተኮሶ ብዘሎ ከበድቲ መሳርሒታትን ብ10 ኣሽሓት ዝቑፀሩ ንፁሃን ዜጋታት ተመዛቢሎም ኢዮም።

ብምኽንያት እቲ ትንኮያን ብዝፈጠሮ ስግኣት ድሕንነትን ሰብኣዊ ሓገዝ ፅዒነን ናብ ትግራይ እናተጓዓዛ ዝነበራ ተሸከርከርቲ ናብቲ ክልል ክኣትዋ ከምዘይከኣላን ድሕሪ ፍርቂ መገዲ ንደሓር ንምምላስ ከምዝተገደዳን ኣመልኪቱ።

እዚ ተግባር እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ንሓደገኛ ቁማር ፖለቲካ ክብል ሰላማዊ ህዝቢ ንጥሜት እናቃለዐ ከምዝኾነ ዘርኢ ቅሉዕ መረዳእታ ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.