Fana: At a Speed of Life!

ህወሓት ኢትዮጵያ ንምፍራስ እናገበሮ ዝርከብ ፈተነ ኣይዕወትን – ወይዘሮ ሰላማዊት ካሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብህዝቢ ዝተመረፀ መንግስቲ ብምግልባጥ መንግስቲ ኣልባን ማእኸል ጎንፂን ንምግባር ብዙሓት ተግባራት ግብረ ራዕዲ ከምዝፈፀመ ሚኒስትር ዲኤታ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ወይዘሮ ሰላማዊት ካሳ ገሊፀን።

እተን ሚኒስትር ዲኤታ ተግባር ግብረ ራዕዲ እቲ ጉጅለ ብቃልሲ ፈተውቲ ሃገር ህዝቢታት ከምዝፍሽልን ሃገር ንምፍራስ እናገበሮ ዝርከብ ፈተነ ከምዘይዕወትን ተዛሪበን።

ኣብ ቴሌቪዥን ኣልጀዚራ ፕሮግራም ቢላሁዱድ ኣብ ዝነበረን ፃንሒት ከምዝገለፀኦ፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብዴሞክራሲያዊ መገዲ ብህዝቢ ዝተመረፀ መንግስቲ ብምግልባጥ ኢትዮጵያ ንምፍራስ ዕላማ ገይሩ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 24 ጠቅምቲ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ብምፍፃም ኲናት ካብ ዝኣወጀሉ እዋን ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ልዑል ግፍዒ ፈፂሙ ኢዩ፡፡

ነዚ ስዒቡ ደማ መንግስቲ ልዕልነት ሕጊ ንምሕላው ብዝሰርሖ ስራሕ ዕላማ እቲ ግብረ ራዕዲ መኪቱ ስራሕቲ ምኽባር ሕጊ ከምዝሰርሐ ኣብሪሀን።

ድሕሪ እዚ ድማ እዋን ክረምቲ ስለዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ናብ ንቡር ስርሑ ከኣቱ እፎይታ ንመሃብ ብዝብል በይናዊ ምቁራፅ ተኹሲ ብምግባር ካብቲ ክልል ኣብ ዝወፅአሉ እዋን እቲ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ከም ብሓዱሽ ሓይሉ ብምውዳብ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ጫፋርን ወራር ከምዝፈፀመ ገሊፀን።

ኣብ ክልቲአን ክልላት ብዝገበሮ ወራር እውን ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ልዑል ዕንወት ህይወትን ንብረትን እናብፀሐ ይርከብ ኢለን እተን ሚኒስትር ዲኤታ፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.