Fana: At a Speed of Life!

ህወሓት ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ልዕሊ ንፁሃን መጥቃዕቲ ከበድቲ መሳርሒታት ፂሙ ኢዩ – መሰኻኽር ዓይኒ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ንህዝቢ ከምፀላእቲ ዝፈረጀ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ክልለ ዓፋር ከተማ ጭፍራ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን መጥቃዕቲ ከበድቲ መሳርሒታት ከምዝፈፀመ ካብታ ከተማ ብስግኣት ዝሃደሙ ነበርቲ ተዛሪቦም።

እቲ ጉጅለ ናብታ ከተማ ብምእታው መድፍዕን ካልኦት ከበድቲ መሳርሒታትን ከምዝተኮሰ፤ እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ሃፍቲን ንብረትን ንፁሃን ሰባት ጉድኣት ከምዘብፀሐ ገሊፆም።

ብኻሊእ መዳይ ጥሒሶም ዝኣተዉ ዕጡቓት እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ፥ ኣቐዲሙ ንሕሙማት ስነ-ኣእምሮ ከምዝረሸኑ ኣብሪሆም።

ህወሓት ዋላእኳ ብወሃብቲ ቃሉ ምስ ህዝቢ ፅኢት ከምዘይብሉ ደጋጊሙ ይግለፅ እምበር ብዝሰርሖም ኣነወርቲ ስራሕቲ ራዕዲ ንህዝቢ ዘለዎ ፅልኢት ከምዘርኢ እቶም መሰኻኽር ዓይኒ ተዛሪቦም።

እንስሳት ሰበኽ ሳግም ዓፋር ምቕታሉን እናሕደገ ሓሪዱ ከምዝበልዐን እውን ኣብሪሆም።

እቲ ጉጅለ ብወገን ጦር እናበፅሖ ዝርከብ ስዕረት ተደናጊፁ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ናይ ፈራሕ በትሪ ብምዕራፉ ብዙሓት ንሞትን ምምዝባልን ከምዝዳረገ እውን እቶም ነበርቲ ገሊፆም።

እቶም ተመዛበልቲ፥ ግብኣተ መሬት እቲ ጉጅለ ኣብ ሓፂር እዋን ንኽፍጸም ኣብ ግምባር ክሳብ ምስላፍ ኣስተዋፅኦ ከምዝገብሩ ተዛሪቦም።

ብኣፈወርቅ እያዩን ፀጋዬ ወንደሰንን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.