Fana: At a Speed of Life!

ህዝቢ ጉራጌ ብዛዕባ ሓድነት ዘምሃረ፣ ሓድነት ሓይሊ ኢዩ ኢሉ ዝኣምን ኢዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ህዝቢ ጉራጌ ብዛዕባ ሓድነት ዘምሃረ፣ ሓድነት ሓይሊ ኢዩ ኢሉ ዝኣምን፣ ብሓድነትበዝርከብ ፀጋ ብልምዲን ህይወቱን ዝተገንዘበ ህዝቢ ኢዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።

ብዙሓት ነበርቲ ዝተረኸብሉ ህዝባዊ ሰልፊ ደገፍ ኣብ ክልል ማእከላዊ ኢርዮጵያ ከተማ ወልቅጤ ተሳሊጡ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)፥ ጉራጌ “ጎጎት” ብዝተብሃለ ቃልኪዳኑ ብዛዕባ ሓድነት ዘምሃረ፣ ሓድነት ሓይሊ ኢዩ ኢሉ ዝኣምን ኢዩ ኢሎም።

ክኸፋፍሉና፣ ክፈላልዩና፣ ከባልዑና ንዝደልዩ፤ ኢትዮጵያ ንምክፍፋል በቢዕለቱ ገንዘቦምን ፍልጠቶምን ጊዘኦምን ንዘጥፍኡ ጉራጌ ሓድነት ሓይሊ ኢዩ ኢሉ ስለዝኣምን ህዝቢ ኢትዮጵያ ምስዚ ህዝቢ ተማሂሩ ንፀላእቱ በሪ ክኸፍት ኣይብሉን ኢሎም።

ብተወሳኺ ሓድነቱ ሓሊዩ እዛ ሃገር ንደቅና ኣማዕቢልና ምስጋር መእንቲ ክንክእል ግድኡ ክፃወት ይግባእ እንትብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

ጉራጌ ብዛዕባ ሰላም የምህር ኢዩ፤ ኣብ ሰላም ይነብር፤ ሰላም ይዝምር ብምባል፥ ብዛዕባ ሰላም እንተያሰብናን እንተይተዛረብናን ሰላም ክንረክብ ኣይንኽእልን ኢሎም።

መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ጉራጌ ብምምሃር ሰላም እንደሊ፣ ሓቢርካ ንምንባር፣ ዝማዕበለትን ዘይትልምንን ኢትዮጵያ ንምርኣይ ኩልና ብሓባር ክንስለፍ ይግባእ ክብሉ ገሊፆም።

ብፌቨን ቢሻው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.